ፋና መናእሰይ ልቃሕን ዕቃርን ሕ/ስ/ማሕበር

ዕለት 17/11/2016 

መ/ቑፅሪ ፋመ/1076/16

ምልክታ ጨረታ

ሓላ/ዝተ/ መሰረታዊ ማ/ሕ/ስ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ July 01-2022 ክሳብ ዕለት Jun 30-2024(ካብ 2015 ክሳብ 2016 ክልተ በጀት ዓመት) ዘሎ ምንቅስቃስ ሒሳብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኦዲት ከግብር ስለዝደለየ ፤ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ውልቀን ትካላትን ኦዲተራት ሰነድ ጨረታ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኽትወዳደሩ ንዕድም።

ተደለይቲ ረቛሒታት

1. ኦዲት ንምክያድ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ምስክር ወረቐት ብቅዓት መረጋገፂ ሞያ ብርኪ ሓደን ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ 2016 ዓ/ምን ከቕርብ ዝኽእል፤

2. ብኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ ሒሳብን ኦዲትን ቦርድ(AAABE) ዝተሓደሰ መስርሒ ፍቓድ ዘለዎን ብonline ክረጋገፅ ዝኽእልን።

3. ኣብ ትካላት ፋይናንስ ኦዲት ስራሕቲ ሰሪሑ ከም ዝነበረ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእልን ብፍላይ ኣብ ማሕበር ሕብረት ስራሕ 1 ግዜን ልዕሊኦን ልምዲ ስራሕ ኦዲት፣ ACCAን CPAን ዘለዎም ኦዲተራት ቀዳምነት ይወሃቦም።

4. ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ስራሕ፣ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ /Tin No/፣ ምዝገባ ሰርቲፊኬት ቫት ወይ (IOT)፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት/IOI ዲክለር ዝገበረሉን ናይ ኩሎም መረዳእታ ሰነድ ከቕርብ ዝኽእልን።

5. ሒሳብ ሰነድ ኦዲት ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ምዃኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ።

6. መኽበሪ ጨረታ ብሽም ሓላ/ዝተ/ መሰረታዊ ማ/ሕ/ስ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ብር 10,000 (ዓሰርተ ሽሕ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ (cpo)ወይ ብጥረ-ገንዘብ ከትሕዙ ዝኽእሉ።

7. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ንተኸታታሊ 06 መዓልቲ ኣብ ሰንት ስራሕ ዘይምለስ ብር 300(ሰለስተ ሚኢት ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይኽእሉ።

8. ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ብዝግባእ መሊኦም ምስ ደጋፊ መረዳእተኦም ፋይናንሻል ዋና ኦርጅናል)ን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ቴክኒካል ድማ ዋና(ኦርጅናል)ን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጎም ኣብ ሕድ ሕዱ ፖስታ ሽም ተጫራቲ፣ ኣድራሻ፣ ፊርማ፣ ኦርጅናልን ኮፒን ተባሂሉ ዝተፀሓፈሉ ማህተምን ፊርማን ዓሪፍዎ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክሳብ ዕለት 23/11/2016 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ከእትው ኣለዎም፡፡

9. ጨረታ 23/11/2016 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዳራሽ ዋና ቤት ፅሕፈት ሰዓት 9:30 ይኸፈት።

10. ተጫረቲ ኣብ ሕድ ሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ፊርማ ዝምልከቶ ኣካልን ማህተም ተጫራቲ ድርጅትን ከዕርፍሉ ይግባእ።

11. ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ብምስራዝ ብተወሳኺ ናብ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይን AAB ን ፀብፃብ ይቐርበሎም።

12. ተጫራታይ ዘቕርቦ ኦዲት ፀብፃብ ብቛንቛ ትግርኛን እንግሊዚኛን ምዃኑ ፈሊጡ ክወዳደር ኣለዎ።

13. ማሕበርና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

14. ኣድራሻና ኣብ ህንፃ መንፈሳዊ ኮለጅ ካሳቴ ብርሃን ካልኣይ ደብሪ መቐለ ንርከብ።

15. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል።