መለስ ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ

ንሳልሳይ ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ንምግብነት ዝውዕል ኣስቤዛ ውሱን ጨረ አጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ።በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም።

1) ተጫረቲ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድን፥ቲን ናምበር ናይ ኣቅራባይነት ፍቃድን፥ ናይ ሻት ምዝገባ፥ ንግዲ ምዝገ ለዎምን ኣድላዚ ከማንትን ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ።

ተጫረቲ ኣብ ዘእተውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ንጹር ዋጋ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከቅርቡን ኣ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊሽንን ንዝፈጠርዎ ጌጋ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኩም ብንቃቄ ክትመልኡ ይግባእ።

3) ተጫረቲ ብማ/ተ/ለ ትግራይ መለስ ካምፓስ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ

: ዕለት 12/11/2016 ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 15/11 /2016 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ።

1) ተጫረቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ስፐስፊኬሽን በቢ በይኑ ብፖስታ ዓሺጎም ከቕርቡ ይግባእ።

5) ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዓይነት ግልጋሎት ዝተኣዘዘ ግዘ ፣ መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸዉን ይግባእ።

5) እቲ ጨረታ ተረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 15/11 /2016 ዓ/ም ቴክኒካል ስፐስፊኬሽን ቅድሚ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ 4፡30 እንትኽፈት እቲ ፋይናንሻል ስፐስፊኬሽን ድማ 5:00 ሰዓት ይኽፈት።

7) ናይ ጨረታ መኽበሪ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ቕርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ብማ/ተ/ ትግራይ መለስ ካምፓ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ክኣትዉ ይግባእ።

8) ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 150(ሓደ ሚኢትን ሓምሳን) ቕርሺ ኣባ ናይ ትካልና ፋይናንስ ምኽፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ።

9) ተጫረቲ ማህተም ዘለዎ ምሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቑፀሮምን ከቐምጡ ኣለዎም።

10) ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ግልጋሎት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ግልጋሎት ክጅምር ይግባእ።

11) ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ውሱን ወይ ኸዓ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።