ቃላሚኖ ኢንቨስትመንት ማእከል

ምልክታ ፕሮፎርማ

ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝመሓደር ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ካብዚ ንታሕቲ ዝተጠቀሰ ናይ እንስሳት መድሓኒት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም

ተደላይ ረቓሒ ዝርዝር ከምዝስዕብ ይኸውን

➢ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከቅርብ ዝኽእል

➢ ቲን ናምበር ምስ ንግዲ ፍቃድ ፎቶ ኮፒ ገይሮም ከትዜ ኣለዎም

እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ እቲ ንብረት ከቅርብ ዝኸእል

➢ ናይ መጥቀሚ ማዓልቱ ብውሑዱ ልዕሊ 6ተ ወርሒ ዘለዎ ክኾን ይግባእ

➢ ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ምስ ሙሉእ ናይ ትካልኩም ማህተምን ሽምን ይጠቀሙ እቲ ፕሮፎርማ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ 20% ናይቲ ንብረት ምቅናስን ምውሳኽን ይኸእል እዩ ::

➢ ካብ ናይ ባዕልና መምልኢ ፎርም ወፃኢ ዝመልአ ተወዳዳሪ ተቀባልነት የብሉን::

➢ ማእኸል ኢንቨስትመነት ቃላሚኖ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ::

➢ እዚ ፕሮፎርማ ምስ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ከም ውዕሊ የገልግል::

➢ እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 8/11/2016 ዓ/ም ክሳብ 11/11/2016 ዓ/ም ናይ ቅ/ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት 4:30 ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ይኸፈት

➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብ 0914755232 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል