ሆስፒታል መቐለ

1 በቢዘፈሩ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ: ብመቅረብቲ :ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ወርሓዊ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከምእዉን ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ብቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ደቀቅቲ  አናእሸተይ ተመዝጋቢ ምካኖም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእል

3 ዋጋ ፀኒሑ ዝፀንሐሉ እዋን ንተከታተልቲ 60 መዓልቲ ኮይኑ ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት 27 ሰነ 2016 ዓም ክሳብ 11/ሐምለ/2016ዓም ሰዓት 8:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት ሰነድ ጨረታ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳርን ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ 305 ብምምፃእ ገዚእካ ምዉሳድ ይከኣል

4 ተጫረቲ ብናይ ትካልና ዘቀረበ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ብምምላእ ብመከበሪ ዉሕስና ጨረታ 20000 / ዒስራ ሽሕ ቅርሺ/ ብፖስታ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ዝቀርብ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ብሓባር ተዓሺጉ ዝቀርብ ኮይኑ ካብዚ ወፃኢ ሒዙ ዝቀርብ ተቀባልነት የብሉን

5 ንፅገና ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ምምላእ ቀለም ፎቶኮፒን ብመከበሪ ዉሕስና ጨረታ 5000 / ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ/  ኣብ ዝቀርብ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ብሓባር ተዓሺጉ ዝቀርብ ኮይኑ ካብዚ ወፃኢ ሒዙ ዝቀርብ ተቀባልነት የብሉን

6 ዝሰዓረ ተጫረቲ ዘቅርቦ አገልግሎት ይኩን ኣቅርቦት ኣብ ሆስፒታል መፂኡ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

7 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ዝሐዘ ሰነድን ኣብ መዓሸጊ ፖስታ ሽሞምን ፊርሞምን ናት ታካሎም ማሕተምን ክዓርፈሉ ይግባእ

9 ሰነድ ጨረታ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኩን ዘይተረከብሉ ዕለት 11/ሐምለ/2016 ዓም ሰዓት 8:30 ተዓፀዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ይክፈት

10 ሆስፒታልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ፕሮፎርማ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ