Tigray Regional State Interim Administration Bureau of water And Energy

ዓይነት ንብረት - ሐደ መቃየየሪ ዝተፈላለዩ ኣቅሑት አፍሪዴቭ ሃንድ ፓምፕ ናይ ወረዳ ፃዕዳ እምባ በዝሒ 480

ክልተ ዝተፈላለዩ መቃየየሪ ኣቅሑት አፍሪዴቭ ሃንድ ፓምፕ ናይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮን በዝሒ 587

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ ምስክር መቅረባይነትን ቲን ናምበር ዘለዎ ከቅርብ ዝክእል ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ዓም ናይ ተወሳኪ አሰት ታክስ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 ንዝተዳለወ ዝርዝር ጨረታ እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 20 ሰነ 2016 ዓም ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

3 መከበሪ ጨረታ 15000 ቅርሺ ብመልክዕ ስፒአ ወይ ከዓ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ጋራንቲ ቴክኒካል ጨረታ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

4 ሳንዱቅ ጨረታ 5 ሐምለ 2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:15 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከቡ ይክፈት

5 ተጫረቲ ሐደ ዋና ቴክኒካልን ፋይናንሽል ሰነድ ነንበይኑ ዝተዓሸገ ሐደ ቅዳሕ ተክኒካል ክልተ ቅዳሕ ድማ ፋይናንሻል ነንበይኑ ብፖስታ ዝተዓሸገ ሰነድ ብምቅራብ እዚ ማለት እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ብግልፂ ክፃሓፈሉ አለዎ

6 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ኣድራሻ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ መቐለ ንተወሳኪ ሐበረታ 0975462316