ምልክታ ዕደጋ ቁፅሪ 135 /2016
ፕሪፎርማ ዕደጋ ምልክታ
ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ክልል ትግራይ ካብ ፕሮግራም ዕብየት ሕርሻ (AGP-II ) ብዝተረኸበ ባጀት ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ናይ መኻይን መለዋወጢ ኣቑሑት ኣብቲ ዘፈር ካብ ዝተዋፈሩ ብቑዓትን ሕጋዊ መቕረብቲ ብከባብያዊ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደሊ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
ተ.ቑ | ዓይነት ኣቕሓት | መግለፂ /እስፔሲፊኬሽን | መዐቀኒ | በዝሒ |
---|---|---|---|---|
01 | ናይ መኪና ጎማ | 245×7 R-16፣697 | ቁፅሪ | 05 |
02 | ናይ መኪና ጎማ | M-755 | ቁፅሪ | 05 |
03 | ባትሪ | 70 አምፑር በልደን ወይ ካብኡ ዝበለፀ | ቁፅሪ | 02 |
በዚ መሰረት ዝምልከተኩም ናይ ንግዲ ትካላት ናይ ዋጋ መቕረቢኹም ክሳብ ግንቦት 06/2016 ዓ/ም ሰዓት 3.30 ኣብ ዘሎ ግዜ ውሽጢ ናብ ቢሮና ጉጅለ ዕደጋ ቢሮ ቑፅሪ 12 ክተቕርቡ ብኽብሪ እንትንዕድም ፣
➢ ተወዳደርቲ ናይ ትካልኩም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቓድ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ / TIN/ ናይ መቕረብቲ ምዝገባ ሰርቲፊኬት ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑ ቫት ሰርቲፌኬትን ናይ መወዳእታ ወርሒ ሪፖርትን መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ምትሕሓዝ የድሊ
➢ ብዋጋን ፅርየትን ተወዳዲሩ ሰዓራይ ዝኾነ ትካል መአዘዚ ዕደጋ/Award/ ካብ ዝበፅሖ /ዝተደወለሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 07/ዓሰርተ/ ተኸታተልቲ መዓልቲ ከቕርብ ዝግደድ ምዃኑ ፈሊጡ ክወዳደር ይግባእ
➢ ኣብ ዝቐርብ መወዳደሪ ሓሳብ ስርዝ ድልዝ ዘለዎን ማሕተምን ፊርማን ዘይብሉ ተቐባልነት ኣይህልዎን ስርዝ እነተሃልዩ ንምእራሙ ፊርማ ክዓርፈሉ ይግባእ ተወዳዳሪ ዝሃቦ ዋጋ ን7ተ ተኸታተልቲ መዓልቲ ዝፀንዐ ይኸውን
➢ መረከቢ ቦታ ኣብ ቀበሌ 06 ዝርከብ ናይ ቢሮና መኻዚኖ ኮይኑ መቕረብቲ ፅሬት እቲ ኣቕሓ ብናይ ቢሮና ሰብ ሞያ ተራእዩ ክረጋገፅ ይገብሩ፣
➢ እቲ ፕሪፎርማ /መወዳደሪ ሓሳብ/ ዕለት 06/09/2016 ዓ/ም ሰዓት 4.00 ይኸፈት
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034403663/0914004237 ምሕታት ይከኣል፣
ምስ ሰላምታ