ምልክታ ፕሮፎርማ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ሕትመት ፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ ፡ ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም፡፡
ተ. | ዝርዝር ዓይነት ንብረት | ዝርዝር መፍለይ ቁፅሪ (ድሌት ስራሕ)(ፅሑፍ) | መለክዒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠቅላላ ዋጋ |
---|---|---|---|---|---|---|
1 | ኣብ ታቤላ ብቅድሚትን ድሕሪትን ብትግርኛን እንግሊዘኛን ስልኪ ቁፅሪ ንምፅሓፍ | ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ MEKELLE CITY POLICE OFFICE 0344417695-0344410197 ቑመትን ጎንን1.75*100*2ሜትሮ ካልኣይ 1.7*2.7*2 ሜትሮ | ቁፅሪ | 1 |
ተ. | ዝርዝር ዓይነት ንብረት | ዝርዝር መፍለይ ቁፅሪ (ድሌት ስራሕ)(ፅሑፍ) | መለክዒ | በዝሒ ካሬ | ናይ ሓደ ዋጋ ካሬ | ጠቅላላ ዋጋ ካሬ |
---|---|---|---|---|---|---|
2 | ባነር | ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ MEKELLE CITY POLICE OFFICE 0344417695-0344410197 8 ካሬ ባነር ምስ መለጠፊኡ | ካሬ | 8 | ||
3 | ንመን ትደልዩ ዝብል ባነር ኣብ ተንቀሳቃሲ ታቤላ ዝልጠፍ ባነር ምስ መለጠፊኡ | ቁመት 2 ሜትሮ ጎኒ 1 ሜትሮ ጠቅላላ 2ካሬ ሜትር ነንሕድሕዱ ከይዲ ስራሕን ስራሕ ሓላፍነትን ዝርዝር ዝሓዘ ፅሑፍ ባነር ክፀሓፈልና ሓደ ገፅ ምስ እዝይ ኣተሓሒዝና | ካሬ | 2 | ||
4 | ዝተሰቀለ ማማ 28 ካሬ ኮይኑ ብዝተፈላለየ ቀለም ተቀቢኡ ንምፅሓፍ ዝዓበየ ኣካሉ ብብጫ ቀለም ዘቅለም ኮይኑ ዝነኣሰ ከፋሉ ብፃዕዳ ይቅለም) | ፖሊስ ትራፊክ ከተማ መቐለ ዝብል ሽም ንካሬ ኣብ ብጫ ቀለም ንምፅሓፍ | ካሬ | 28 |
NB ተወሳኪ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ፖሊሰ ቤት ፅሕፈት ቀበሌ (11) እንዳሚላው ብምካድ ብሳምፕል ትክክለኛ ምስሊ
ብወካሊ መርኣያ ምርግጋፅ ይክኣል፡፡
ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት
1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት ፣ ቲን ቁፅሪ ከም ኣድላይነቱ ድማ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት ከተሓሕዝ ዝኽእል ፡፡
2. ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 23/07/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 25/07/2016 ዓ/ም 10፡00 ዝፀንሕ ኮይኑ ሰዓት 10፡30 ይኸፈት ፡፡
3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ፣ ማህተምን ኣድራሽኦምን ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ።
4. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንብረት ክፍሊት ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ፡፡
5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስተኸፈተ ን7' ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን ፡፡
6. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ከይኑ የገልግል "
7. ኣብ ከይዲ ጨረታ/ፕሮፎርማ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ ፡፡
8. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ ፡፡