ምልክታ ሾፒንግ ፕሮፎርማ
ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተገሊፆም ዘለው ናይ ሽንት ቤት ፅገና ብሾፒንግ ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ ፡፡ ስለዚ በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።
ታ.ቁ | ናይ ስራሕ ዝርዝር (Description) | መዐቀኒ (Unit) | በዝሒ | ነፀላ ዋጋ | ዋጋ | መብርሂ |
---|---|---|---|---|---|---|
1 | ዝተዓፀው መስመራት ሽንትቤት ምፍታሽ ምፍሓርን ምዕራግን እቲ ዝፋሓር መስመር ኮንክሪት ወይ ሴራሚክ ክከውን ስለ ዝክእል ብጥንቃቄ ዝስራሕ እዩ | ቁፅሪ | 19 | |||
2 | መስመራት ባንባ ምፍታሽ ምፍሓርን ምፅራግን እቲ ዝፋሓር መስመር ኮንክሪት ወይ ሴራሚክ ክከውን ስለ ዝክእል ብጥንቃቄ | ቁፅሪ | 19 | |||
3 | ዝተፍሓረ መስመራት ባንባ መሊስካ ከም ዝነበሮ ብኮንክሪት ወይ ብሴራሚክ ምስራሕ | ቁፅሪ | 19 | |||
4 | ዝተፍሓረ መስመራት ሽንትቤትመሊስካ ከም ዝነበሮ ብኮንክሪት ወይ ብሴራሚክ ምስራሕ | ቁፅሪ | 19 | |||
5 | መስመራት ሽንትቤት ብሓዱሽ ትቦ ምትካእ ምስ ማን ሆላት ምትሕሓዝ | ቁፅሪ | 19 | |||
6 | መስመራት ቦንብ ብሓዱሽ ትቦ ምትካእ ምስ መስመር ምትሕሓዝ | ቁፅሪ | 128 | |||
7 | ምስራሕን ምግጣምን ተርክሽ ምስ ኤሌክትሪክ ትቦ መስመር ምትሕሓዝ | ቁፅሪ | 6 | |||
8 | ምስራሕን ምግጣምን ኢድ መሕፀቢ (hand wash) ምስ መስመራት ትቦ ማይ ምትሓዝ | ቁፅሪ | 19 | |||
9 | ምስራሕን ምግጣምን ሻታፍ ምስ መስመራት ትቦ ማይ ምትሕሓዝ | ቁፅሪ | 19 | |||
10 | ኣብ ግቢ ውሽጢ ዘለው ማን ሆላት ምፍታሽ ምፅራግን ምፅጋንን | ቁፅሪ | 07 | |||
11 | ናይ ገፅ መስተዋት ምግጣም | ቁፅሪ | 10 | |||
12 | ናይ 5000 ሜ3ሮተ ምግጣምን ምስ መስመራትን ትቦን ምትሕሓዝን | ቁፅሪ | 02 | |||
13 | 27 ሜ3 ረሳሕ ፈሳሲ ማይ ምምጣጥን ምጉሓፍ( ደረቅ እንተኮይኑ ብማይ በዕቢዕካ ክእለ ምግባር) | ቁፅሪ | 04 | |||
14 | 7 poit spot welding (From Existing Plastic Tanker to the main line | ቁፅሪ | 07 |
ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሓታት
1. ተወዳደርቲ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ቲን /TIN/ ፣ መቅረባይ ሰርቲፊኬት፣ ምስቲ
ፕሮፎርማ ብፖስታ ተዓሽጉ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡እቲ ዝቀርብ ዶክመንት ዝረአ ክከውን ኣለዎ ዘይረአ እንተኮይኑ ናብ ውድድር ኣይቀርብን።
2. ተወዳደርቲ መሊኦም ኣብ ዘቕርብዎ ፕሮፎርማ ፊርማን ክቢ ማሕተምን ከዕርፍሉ ኣለዎም፡፡
3. እዚ ናይ ፕሮፎርማ ምልክታ (ቅጥዒ) አብ ሞንጎ ቢሮናን ሰዓራይን ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡
4. ተወዳደርቲ ስዓርቲ ኮይኖም እንተተረኪቦም እቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጋዓዝን መራገፍን ናብ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ስቶር ክፍሊ ኣታዊ ይገብሩ።
5. ተወዳደርቲ አትጫረትሉ ዋጋ ካብ ቢሮና ብዝወሰድክምዎ ቅጥዒ ወይም ብናይ ባዓልኹም መሊእኹም ክተቕርቡ ይግባእ፡፡
6. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 30/05/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 05/06/2016 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ኣብ ዘሎ ግዘ ምቕራብ ይኽእሉ፡፡
7. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 05/06/2016 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:10 ኣብ ነባር ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ኣብ ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 13 ዝርኸብ ይኽፈት፡፡
8. ቢሮና ኣድላይ ኮይኑ እንተረኺብዎ ነዚ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ
ሕልው እዩ፡፡
9. ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪቁፅሪ 0914129501 ደውልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ