አብ ግዚያዊ ምምሕዳር ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ዘፈር ፋይናንስ

ምልክታ ጨረታ

ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ን2016 በጀት ዓመት

1. ዘይቲ፡ሽኮርን ዓተር ክክዕን (ዝቐርብ ክክዕ ቢሮ ብዘቕርቦ ሳምፕል መሰረት)

2. ዝተፈላለዩ ናይ መሸንሪ መለዋወጥን ጎማን ባትርን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዝኾነ ኣብቲ ዘርፊ እትነጥፉ ነጋዶ፦

➢ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፈቃደ ንግዲ ዘለኩም ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም

➢ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩም ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ

➢ ናይ ግብሪ ከፋሊ ሰተፊኬት (TIN)ን ናይ መቕረባይ ፈቓድ ዘለኩም ንኽትሳተፉ ይዕድም፡፡

ብምዃኑ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዝርዝር መምርሒ ዝሓዘ ሰነድ ብር 200.00 (ብር ክልተ ሚኢቲ ጥራሕ) ብምኽፋል ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣብ ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን እዚ ጨረታ ፃውዒት ካብ ዝተገበረሉ ዕለት 21/05/2016-30/05/2016 ሰነድ ጨረታ ብምግዛእ በቲ ቢሮ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክተእትዉ ከም ትኽእሉ ይገለፅ። እዚ ጨረታ ታሕሳስ 30/05/2016 ረፋድ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ረፋድ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብኽፋል ወይ ምሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

መተሓሳሰቢ፡ ሓደ ተጫራታይ በዓል ዋና ወይ ተወካሊ ምኹኑ ዘርእይ መረዳእታ ብምሓዝ ንሓደ ሎት ሓደ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ይገዝእ፡

ንተወሳኺ ሓበሬታ 0344-408912 0914008595 ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰፀጥታን