ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ማይጨዉ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግብኡ መዐቀኒታት

1. በቲ ዘፈር ንግዲ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲን፣ ቲን ናምበርን ከቕርብ ዝኽእል፡፡

2. ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ናይ ቫት ተመዘጋባይ ሰርቲፊኬት ክተቅርቡ እትክእሉን፡፡

3. መጠን መኽበሪ ጨረታ ብር

ተ.ቁዓይነት ኣቁሕትመጠን ገንዘብ
1ናይ ፅሕፈት መሳርሒ15000.00
2ናይ ፅሬት ኣቁሑ5000.00

ብCPO ፣ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝኽእል፡፡

4. ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 200.00 ብምኽፋል ካብ ዕለት 16/02/2016 ዓ/ም ምልከታ ካብ ዝወፀኣሉ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ዝተዉሃቦም : ሰነድ : ኦርጅናል ን ዋጋ ዝምለኦሉ ኮፒን ከእትዉ ኣለዎም ፡፡

5. እቲ ጨረታ ሳንዱቕ ዕለት 26/02/2016 ዓ/ም ልክዕ ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ይኸፈት፡፡

6. ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ ኣይህሉን ፡፡

7. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኸቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡ 8.ጨረታ ዋጋ ፀንዑ ዝፀንሐሉ ግዜ 15 ማዕልቲ ይኸውን፡፡

9. ቤት ፅሕፈትና 20 % ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

10. ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ስቶር ከምፅእ ዝኽእል፡፡

11. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03477701234 ምሕታት ይካኣል፡፡

ምስ ሰላምታ