ቑፅሪ ጨረታ 001/2016
1. ማሕበርና ንህንፀት ዕዳጋ ማእኸል ዝኾን ፅርየቶም ዝሓለዉ ናይ ኮንስትራክሽን ማተርያል ማለት ቴንዲኖ ፣ ፀፀር፣ሓሸዋ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።በዚ መሰርት ተጫረቲ ንምሳታፍ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሕታት ከማልኡ ኣለዎም-
2 ናይ 2015 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎ ናይ ኣቕራባይነት ሰርትፊኬት ከቕርቡ ዝኽእሉ::
3. ምስዚ ተተሓዙ ቀሪቡ ካብ ዘሎ ዘድሊ መጠን ናይቲ ማተርያል በዝሒ/Quantity/ ብ20% ክቕንስ ወይ ክውስኸ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ውሽጢ ከእትዉ ይግባእ::
4. ዕርየት ዘይብሎም ማተርያል ንዘቕርብ ብበዓል ሞያ ተራእዩ /Test ተገይሩ/ እንተዘይሓሊፉ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ይምልስዎ::
5. መዐቀንታት ዘማልኡ ኩሎም ተጫረቲ እዚ ምልክታ ጨረታ ብመራኸቢ ሓፋሽ ካብ ዝወፅአለ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ሓሙሽተ /5/ ተኸታታሊ መዓልትታት ውሽጢ ማለት ካብ ዕለት 12/02/2016-16/02/2016 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ማ/መ/ህ/መ/ዕ/ማ ጥቓ ገንፈል ሆቴል ዝርከብ ብምዉሳድ ክወዳደሩ ይኽእሉ::
6. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ መሊኦም ምስ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ብምትሕሓዝ ኣብ ካኪ ፖስታ ዓሺጎም ማህተም ዓሪፍዎ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡
7. እዚ ጨረታ ተረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 16/02/2016 ሰዓት 9:00 ሰዓት ተዓፅዩ በዚ ዕለት 9:30 ይኸፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተዘይተረኺቦም ግና ብዘየለውሉ ጨረትኦም ይኸፈት::
8. ማሕበርና እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብኸፋል ናይ ምስራዝ ሕጋዊ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
9 ንተወሳኺ ሓበሬታ ናብ ማ/መ/ህ/መ/ዕ/ማ ጥቓ ገንፈል ሆቴል ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምቕራብ ወይ ስልኪ ብምድዋል ምሕታት ይከአል ናይ ቤት ፅሕፈት ስ/ቁፅሪ 0914261958/0342410460
ማሕበር መቐለ ህንፃ መሳርሒ ዕዳጋ ማእኸል
ለ. ዝርዝር ዓይነት ማተርያል እና በዝሒ ዘድሊ:
ተ.ቑ | ዓይነት ማተርያል | መለክዒ | በዝሒ | ነፀላ ዋጋ | ጠቕላላ ዋጋ |
1 | ቴንዲኖ በዓል-10 | ባንድል | 45 | ||
ቴንዲኖ በዓል-14 | ባንድል | 60 | |||
ቴንዲኖ በዓል-10 | ባንድል | 45 | |||
2 | 00C-02 | ሜትር ኩብ | 3000 | ||
3 | ሓሸዋ ናይ ሩባ | ሜትር ኩብ | 2000 |
መብርሂ (Remark) ፦
1. እቲ ዘቕርብዎ ሓሸዋ ማይ ዝሓለፎ ናይ ሩባ ገረብ ኮይኑ ፍርዝዝ ዝበለ ካብ ደለል ሓመድ ነፃ (silt content less than 6%) ንኮንክሪት ዝኸውን ክኾን ኣለዎ ከምኡ'ዉን መቕረብቲ ጨረታ ቕድሚ ምኸፋቱ ነቲ ዘቕርብዎ ዓይነት ሓሸዋ ብዝኾነ መትሐዚ ሳምፕል (Sample) ከቕርቡ አለዎም::
2. እቲ ዘቕርብዎ ፀፀር ሳይዙ 02 ኮይኑ ካብ ፀሊም እምኒ ዝተመረተ ዕሬት ዘለዎ ንኮንክሪት ዝኸውን ክኾን ኣለዎ::