- ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም
- መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘን መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእልን
- ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2008 ዓ ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
- ሰነደ ጨረታ ንሕድሕድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 12 ምዉሳድ ይከኣል
- ጨረታ ብድምፂ ወያነ ትግራይ ካብ ዝተጋወሐሉ ጀሚሩ ክሳብ ለካቲት 7 2008 ዓ ም ዝሽየጥ እንትከዉን 7 ለካቲት 2008 ዓ ም ሰዓት 8፡ 45 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 9 ፡00 ይክፈት
- ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ክሳብ ዕለት 7 ለካቲት 2008 ዓም ሰዓት 8 ፡30 ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቀዳማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 12 ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ይከኣል
- መክበሪ ጨረታ ንተምሃሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ወንበር 15,000 ቅርሺ ንሸልፍ መስርሒ ኣቁሑት ድማ 3000 ቅርሺ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
- ተጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ
- ዝኮነ ተጫራታይ ብዝዓባ እቲ ጨረታ ሰነድን ካልእ መብራህርሂ ዘድልዮ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራይ ምሕታት ይክእል
- ጨረታ ሰዓራይ ንብረት ኣታዊ ዝገብረሉ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ኮይኑ እቲ ንብረት ድማ ፅሬቱ ብባዓል ሞያ እቲ ቢሮ ክረጋገፅ ይግባእ
- እቲ ቢሮ ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብ ቁፅርታት ስልኪ 0344403477 ወይድማ 0344408299 ብምድዋል ይኩን ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል