1 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር ምዝገባ ንግዲ ፣ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ

2 ናይ ኮንስትራክሽን ወይ ድማ ተኮናታራይነት ምዝገባ ካርዲ

3 ወረቀት ምስክር ምዝገባ ከፋሊ ግብሪ ፣ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት

4 ወረቀት ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ዝሓፈ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 መኸበሪ ጨረታ 120000.00 ቅርሺ ካብዞም ዝስዕቡ  ብሓዲኡ ዘቅርብ ኮይኑ ብብሔራዊ ባንኪ ንግዲ ኢ/ያ ካብ ዝተፈቀዶሎም ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ብዘራጋገፆ ቼክ ለተር ኦፍ ክሬዲት ዘቅርቡ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከቅርቡ ኣለዎም

6 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረቱሉ ህንፃ ስራሕቲ ሳይዝ ካብ ዝረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 240 ተከታታሊ መዓልታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም

7 ሰነድ ጨረታ ካብ 13/09/2012ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ማዛጋጃ ዓድዋ ከ/ስ/ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ቢሮ ቁፅሪ 04 ቀዳማይ ደብሪ ዘይምለስ 400 ቅርሺ ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ

8 እቲ ጨረታ ዕለት 03/10/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ማዛጋጃ ዓድዋ ከ/ስ/ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ቢሮ ቁፅሪ 04 ቀዳማይ ደብሪ ይክፈት

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 42 71 13 09