ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ

1 በዚ ዘፍር ናይ ዘበኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ብቅዳሕ ዘቅርብ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ብቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉን ከምኡ እዉን ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2012ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

4 በቲ ዘፍር ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ምካኑን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር ዋናን ሓደ ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ኣብቲ ጨረታ ሳዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ናብቲ ቢሮ መኽዘን ክፍሊ ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ብፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል

6 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ትካል ሽም ኣድራሻ ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ኣለዎ

7 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈሉ ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 219/201 ካብ 27/09/2012ዓ/ም ክሳብ 11/10/2012ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ክዕድጉ ይክእሉ

8 ተጫሬቲ መኸበሪ ዉሕስና ጨረታ 5000.00 ቅርሺ ብሽም ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ብስፒኦ ወይ ድማ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ድማ ብጠረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናብቲ ቢሮ ሳንዱቅ ጨረታ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርቡ ዝክእሉ

9 እቲ ጨረታ 11/10/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 219/201 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብክፋል ይኵን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 40 62 00 /03 44 40 62 01/03 44 40 62 09