ቢሮ ማይ ሃፍቲ ትግራይ

1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርብ ዝክእልን፣

2 መኸበሪ ጨረታ ስፒኦ ብጥረ ገንዘብ ኣታዊ ዝግበረሉ ቅብሊት ንምድብ 1 2000 ቅርሺ  ንምድብ 2 1000ቅርሺ ንምድብ 3ተ 2000 ቅርሺ ከትሕዙ ዝክእሉ

3 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ 07/07/2012ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 21/07/2012ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ካብ መደበኛ ዕደጋ ክፍሊ 30 ቅርሺ ጥራሕ ንሕድሕድ  ሎት እናከፈልኩም ምዉሳድ ትክእሉ

4 እቲ ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ማለት እዉን ኢንቮሎፕ ናይ ተጫራታይ ኣድራሻ ሽም ፌርማን ማህተምን ብምግባር ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ነንበይኑ በቲ ዝተዳለዎ ሎት መሰረት ዓሺጎም ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ አለዎም

5 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 21/07/2012ዓ/ም ቅድሚ ወይ እዉን ክሳብ ሰዓት 3፡30 ኮይኑ እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 40 36 56