ቃላሚኖ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ

ግልፂ ጨረታ ዕድጊት ደንቢ ልብሲ ተምሃሮ

ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝርከብ ፍሉይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ደንቢ ልብሲ ተምሃሮ ደቂ ተባዕትዮ ስረ ምስ ሰደርያ በዝሒ 98 ደቂ ኣነስትዮጉርዲ ምስ ሰደርያ በዝሒ 89, ደቂ ተባዕትዮ ሸሚዝ በዝሒ 222, ደቂ ኣነስትዮ ሸሚዝ በዝሒ 200 ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚመሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ተደላይ ረቃሒታት ዝርዝር ከምዝስዕብ ይኸውን

➢ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲፍቃድ ወይም 2019 ዓ/ም ንግዲፍቃድ ከተርብ ዝክእል።

➢ ቲን ናምበር ምስ ንግዲ ፍቃድ ፎቶ ኮፒ ገይሮም ክትሕዙ አለዎም፡፡

➢ ቫት ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ነሓሴ ወርሒ 2018 ዓ/ም ወይም መስከረም ወርሒ 2019 ዓ/ም ዲክላራስዮን ከቅርብ ዝክእል።

➢ ናይ 2018 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ምዝገባ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል።

➢ ናይቲ ጨረታ መኽበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) 15.000 (ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡

➢ አብ መዘርዝር እስፐሲፍኬሽን / ብዝቐረቡ ጥራሕ ከቕርብ ዝኽእል።

➢ ኢዚ ጨረታ ሲዒርካ ምስተብሃለ አብውሽጢ 5መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ እቲ ንብረት አብውሽጢ ሓደ ወርሒ ሰፍዩ ከቕርብ ዝክእል።

➢ እዚ ጨረታ ክመልእዎ ከለዉ እቲ ዋጋ ምስ ቫቱ ምኻኑ ወይ ዘይምኻኑ ይሓብሩልና አንተዘይሓቢሮም ምስቫቱ ከምተመልአ ተገይሩ ይውሰድ።

➢ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ምስ ሙሉእ ናይትካልኩም ማህተምን ሽምን ይጠቀሙ፡፡

➢ እቲ ጨረታ ቤትትምህርትና 20% ናይቲ ንብረት ምቅናስን ምውሳኽን ይክእል እዩ።

➢ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 100.00 (ሚእቲቅርሺጥራሕ) ብምኽፋል ኣብ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ቢሮ ቁፅሪ 25 ኣብስራሕ ሰዓት ንጉሆ ካብ 2፡30 ክሳብ 6፡00 ድሕሪ ስዓት ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ 10፡00 ምውሳድ ይከኣል፡፡

➢ ቤት/ት እቲጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

➢ እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 04/11/2026 ዓ.ፈ ክሳብ 16/11/2026 ዓ.ፈ ሰዓት 4፡00 ታዓፅዩ ሰዓት 4:30 ኣብ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት፡፡

N.B ንዝበለፀ ሓቤሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0945462700/0914763004 ደዊልካ ምሕታት ይከአል እዮ።