ቃላሚኖ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ
⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
* ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ 01 ኦሎምፕስ ማይክሮስኮፕ (CX22) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
* ተወዳደርቲ ዝተሓደሰ ናይ 2018 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ፣ ቲን፣ ናይ ነሓሴ ወርሒ ቫት ምዝገባን ናይ መቕረባይነት መረዳእታን ከቕርቡ ይግበኦም።
* ናይ ጨረታ ሰነድ ብብር 100.00 ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ፣ ናይ ጨረታ መኽበሪ ሰነድ (CPO) ብር 10,000.00 ከቕርቡ ኣለዎም።
* ጨረታ ካብ ዕለት 28/10/2026 ዓ.ፈ ክሳብ 09/11/2026 ዓ.ፈ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ፣ ብመዓልቱ ሰዓት 4:30 ይኽፈት።
* ተዓዋቲ ዝኾነ ተወዳዳሪ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ነቲ ንብረት ኣታዊ ክገብር ይግበኦ።

ግልፂ ጨረታ ዕድጊት ኦሎምፕስ ማይክሮስኮፕ

ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝርከብ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ 01 ኦሎምፕስ ማይክሮስኮፕ CX22 ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚመሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ተደላይ ረቃሒታት ዝርዝር ከምዝስዕብ ይኸውን

➢ ናይ 2018 ዓ/ም ንግዲፍቃድ ዝተሓደሰ ከቀርብ ዝክእል።

➢ ቲንናምበር ምስ ንግዲ ፍቃድ ፎቶ ኮፒ ገይሮም ክትሕዙ አለዎም።

➢ ቫት ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ነሓሴ ወርሒ ዝክእል።

➢ 2018 ዓ/ም ዲክላራስዮን ከቅርብ

➢ ናይ 2018 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ምዝገባ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል።

➢ ናይቲ ጨረታ መኽበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) 10,000 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ) ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡

➢ አብ መዘርዝር/እስፐሲፍኬሽን / ብዝቐረቡ ጥራሕ ከቕርብ ዝኽእል።

➢ ኢዚ ጨረታ ሲዒርካ ምስተብሃለ አብውሽጢ 5መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ እቲ ንብረት አብውሽጢ 10 መዓልቲ ከቕርብ ዝክእል።

➢ እዚ ጨረታ ክመልእዎ ከለዉ እቲ ዋጋ ምስ ቫቱ ምኻኑ ወይ ዘይምኻኑ ይሓብሩልና እንተዘይሓቢሮም ምስቫቱ ከምተመልአ ተገይሩ ይውሰድ።

➢ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ምስ ሙሉእ ናይትካልኩም ማህተምን ሽምን ይጠቀሙ።

➢ እቲ ጨረታ ቤት ትምህርትና 20% ናይቲ ንብረት ምቅናስን ምውሳኽን ይክእል እዩ።

➢ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 100.00 (ሚእቲቅርሺጥራሕ) ብምኽፋል ኣብ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ቢሮ ቁፅሪ 25 ኣብስራሕ ሰዓት ንጉሆ ካብ 2፡30 ክሳብ 6፡00 ድሕሪ ስዓት ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ 10፡00 ምውሳድ ይከኣል፡፡

➢ ቤት/ት እቲጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

➢ እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 28/10/2026 ዓ.ፈ ክሳብ 09/11/2026 ዓ.ፈ. ሰዓት 4፡00 ታዓዕዩ ሰዓት 4:30 ኣብ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

N.Bንዝበለፀሓቤሬታ ብስልኪ ቁፅሪ0945462700/0914749677 ደዊልካ ምሕታት ይከአል እዮ። Website: www.kshs.academy Email: info@kshs.academy Facebook: Kallamin.oSHSx: