ቃላሚኖ ኢንቨስትመንት ማእከል

ን2ይ ግዜ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ

ዘገልገለ ንብረታት

ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝርከብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ዝተፈላለዩ ዘገልገለ ኣቁሑት ዘገልገለ ትራክተር (Scrap) ፣ ዘገልገለ ናይ መኪና መቀያየሪን ዘገልገ ናይ መኪና ጓማ ብዘይ ቸርኬን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዘገልገለ ንብረታት ን2ይ ግዜ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ንምግዛእ እትደልዩ ኣካላት ዝስዕብ እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም፣

በዚ መሰረት

1. ተወዳደርቲ ብጨረታ ዝሽየጡ ዘገልገለ ትራክተር (Scrap) ፣ ዘገልገለ ናይ መኪና መቀያየሪን ዘገልገለ ናይ መኪና ጓማን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዘገልገለ ንብረታት ብኣካል ቀሪቦም ብምርኣይ ክገዝእዎ ንዝደልዩ ንብረት ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትው ይግባእ፡፡

2. ኣብ ናይ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር ተቀሚጡ ስለዘሎ ኣብቲ መወዳደሪ ሰነድ ናይ ዝደልዩዎ ዓይነት ንብረት ዋጋ ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትው ይግባ ፡፡

3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 04/02/2019 ክሳብ 14/02/2019 ዓ/ም፣ ኣብ ቃላሚኖ ማእኸል ኢንቨስትመንት ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ፣

4. እቲ ጨረታ ዕለት 14/02/2019 ዓ/ም ናይ ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ፤ሰዓት 3፡30 ኣብ ትካልና ቃላሚኖ ማእኸል ኢንቨስትመንት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት፡

5. ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 20,000.00 / ዒስራ ሽሕ/ ብሽም ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO ከትሕዙ ዝኸእሉ ፣

6. ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብምኸፋል ካብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ቁፅሪ 2 ዝርከብ ክወስዱ ይኸእሉ ፣

7. ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምዃኖም ካብ ዝግለፀሉ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ሒሳብ ከፊሎም ንብረቶም እንተዘይወሲዶም ዘተሐዘዎ መኸበሪ ጨረታ ሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ናብ ናይ ትካልና ካዝና ኣታዊ ይግበር፡፡

8. ዝርዝር ድሌት መግለፂ ትካልና ካብ ዘቕርቦ ናይ ዋጋ መቅረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቕርብ ተቐባልነት የብሉን፣

9. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ። ንተወሰኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0914731592 ምድዋል ይከኣል እዩ