ምልክታ ጨረታ
ዩናይትድ ስቲል ሜታል ኢንዳስትሪ፣ Pre-Engineered Building (PEB) Erection ማለት ናይ ብረት ተጋጣጣሚ ህንፃ ተኸላ ስራሕቲ ብጨረታ ንምስራሕ፣ ብቑዓትን ተመኩሮ ዘለዎምን ተወዳደርቲ ኮንትራክተራት/ኩባንያታት ብጨረታ ተወዳዲሮም ንኸሰርሑ ይዕድም።
1. ዝድለ ዓይነት ስራሕ
Erection of Pre-Engineered Building (PEB) ብመጠን 228 × 48 × 11፣ ከምኡውን ምስ Crane Beam Erection Works With Out Installation of Over Head Crane ብመሰረት እነቕርቦ ተኸላ ድራዊንግ (Erection Drawing) ክሳብ ምሉእ ተኸላ ንምፍፃም።
2. ክማልኡ ዘለዎም መስፈርታት
ተጫረትቲ ትካላት/ኩባንያታት እዞም ዝስዕቡ ሰነዳትን መስፈርታትን ከማልኡ ኣለዎም፦
1. ናይ ኩባንያኦም/ድርጅቶም ብሕጋዊ መንገዲ ዝተሓደሰ ናይ ንግዲ ፍቓድን IIN Certificate ን ካልኦት ተደለይቲ ናይ ሕጊ ሰነዳት (Business Licence) ከቕርቡ ኣለዎም።
2. ንConstruction & Erection ወይ ተዛማዲ ስራሕ ዝምልከት ኣድላይ ናይ ሞያ ፍቓድ/ብኤሌክትሮ መካኒካል ስራሕቲ ምዝገባን ፍቓድን ከቕርቡ ኣለዎም።
3. ኣብ ተመሳሳሊ ሞያ ዝረኸብዎ ዝርግሐ ስራሕ ተመኩሮ ዘረጋግፅ ሰነድ፣ ውዕሊ ወይ ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ኣለዎም።
4. ተመሳሳሊ ስራሕ ንምፍፃም ዘድሊ ሰራሕተኛታት፣ ቴክኒካዊ ክእለት፣ መሳርሒታትን ኣድለይቲ ኣቕሑትን ከምዘለዎም ከረጋግፁን ከቕርቡን ኣለዎም።
5. ዋጋ ጨረታ (Financial Offer) ከቕርቡ ኣለዎም።
6. ተጫረትቲ ኣብ ግዜ እቲ ጨረታ ዝሕተትዎም ካልኦት ሕጋዊን ቴክኒካዊን መስፈርታት ከማልኡ ኣለዎም።
7. ተጫረቲ ትካላት ንPEB Erection ስራሕ ዘድልዩ መሳርሒታትን ናይ ምልዓል/ምትካል መሳርሒታትን ከምዘለዎም ወይ ብሕጋዊ መንገዲ ክጥቀሙሎም ከምዝኽእሉ ከረጋግጹ ኣለዎም።
3. ክቐርቡ ዘለዎም ሰነዳት
ተጫረትቲ እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ከቕርቡ ኣለዎም፦
• ቅዳሕ ዝተሓደሰ Business Licence፣ TIN Certificate፣ ናይ ሞያ/ኤሌክትሮ መካኒካል ስራሕቲ ምዝገባን ፍቓድን፣ Company Profile ከቕርቡ ኣለዎም።
• ዝርዝር ናይ ተመሳሳሊ ስራሕ ተመኩሮ ማለት ናይ ቅድሚ ሕጂ ስራሕ ውዕሊ፣ Completion Certificate ወይ Reference Letter ከቕርቡ ኣለዎም።
. ዝርዝር ብቑዓት ሰራሕተኛታትን ቴክኒካዊ ሓለፍትን ከቕርቡ ኣለዎም።
• ዝርዝር ናይ ስራሕ መሳርሒታት ኣቑሑት ከቕርቡ ኣለዎም።
• ናይ ስራሕ ኣፈጻጽማ መደብ (Work Methodolgy /Work Plan) ከቕርቡ ኣለዎም።
• ናይ ስራሕ ግዜ ሰሌዳ (Work Schedule) ከቕርቡ ኣለዎም።
• ናይ ድሕነት ስራሕ መደብ (Safety Plan) ከቕርቡ ኣለዎም።
4. ኣቀራርባ ጨረታ
ተጫረትቲ ትካላተ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ሰነዳት ዝሓዘ ሰነዶም ብኦርጅናልን ኮፕን ተዓሽጎም ብኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ኢንቨሎፓት ከቕርቡ ኣለዎም፦
ኢንቨሎፕ
1 – TECHNICAL PROPOSAL Original ኢንቨሎፕ
2 – TECHNICAL PROPOSAL Copy ኢንቨሎፕ
3 – FINANCIAL PROPOSAL Original ኢንቨሎፕ
4 – FINANCIAL PROPOSAL Copy
ኣርባዕቲኦም ዝተዓሸጉ ኢንቨሎፓት ኣብ ሓደ ዓብይ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ክቐርቡ ኣለዎም። ኣብ እቲ ዓብይ ኢንቨሎፕ፦ BID FOR PRE-ENGINEERED BUILDING (EB) ERECTION WORKS ዝብል ጽሑፍ፣ ስም ተጫራቲ፣ ኣድራሻን ስልኪ ቁጽርን ክጽሓፍ ኣለዎ።
5. ግምገማ ጨረታ
እቲ ጨረታ ንቴክኒካል 70% ንፋይናንሻል 30% ነጥቢ ዝወሃብ ኮይኑ ብመሰረት እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ክግምገም እዩ፦
ሕጋዊ ሰነዳትን ብቕዓትን ፣ ናይ ተመሳሳሊ ስራሕ ተመኩሮ ፣ቴክኒካዊ ዓቕሚን ብቑዓት ሰራሕተኛታትን ፣ ዓቕሚ መሳርሒታት።
Work Methodology /Work Plan and Work Schedule.
ናይ ስራሕ ድሕንነት መደብን ካልኦት ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተገለጹ መስፈርታትን። 6. መኽበሪ ጨረታ (Bid Security)
ኩሎም ተጫረቲ ትካላት ብር 100,000.00 (ሓደ ሚእቲ ሽሕ ብር) ናይ ጨረታ መኽበሪ ከቕርብ ኣለዎ።እቲ መኽበሪ ጨረታ ብ ባንክ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብካሽ ከቕርቡ ይኽእሉ።
እቲ መኽበሪ ጨረታ ምስ ተክኒካል ሰነድ ጨረታ ብግቡእ ተዓሺጉ ክቐርብ ኣለዎ።
ዘይተማልአ ወይ ዘይሕጋዊ ዝቐረብ መኽበሪ ጨረታ ተቐባልነት ኣይህልዎን።
7. መሸጢ ሰነድ ጨረታ
ተጫረትቲ ናይ ጨረታ ሰነድ 100.00
መፂኹም ክትወስዱ ትኽእሉ።
8. መቕረቢ ግዜ
ሚእቲ) ብር ብምኽፋል ካብ ግቢ ትካልና ቢሮ
ሰነዳት ጨረታ ካብ 12/01/2019 ዓ.ም. ክሳብ 18/01/2019 ዓ.ም. ኣብ ታሕቲ ዝተገለጸ ኣድራሻ ክቐርቡ ኣለዎም። ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕፀወሉ ዕለት 18/09/2019 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ይኸውን። ጨረታ ሳንዱቕ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 18/09/2019 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኮይኑ ተጫረቲ ትካላት ውይ ወኪላትም ኣብ ዝተረኸብሉ ዝኽፈት ይኸውን እንተዘይ ተረኺቦም ድማ ትካልና ካብ ምኽፋት ጨረታ ዝእግዶ ምኽንያት ኣይህሉን
ድሕሪ እቲ ዝተወሰነ መወዳእታ ግዜ ዝቐርቡ ሰነዳት ተቐባልነት ኣይህልዎምን።
9. ትካልና እዚ ጨረታ ብኸፊል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስርዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
10. ኣድራሻን ተወሳኺ ሓበሬታን
ተጫረትቲ ንዝያዳ ሓበሬታ፣ ንምቕባል ወይ ንምቕራብ ሰነዳት ጨረታ ኣብዚ ዝስዕብ
ኣድራሻ ክመፁ ይኽእሉ፦
ዩናይትድ ስቲል ሜታል ኢንዳስትሪ ግቢ
መቐለ
ኣድራሻ፦ ላጪ መነሃርያ፣ ደስታ ማተምያ ፊት ንፊት
ስልኪ ቁፅሪ 0935-838383/ 0907-305514/ 0907-303214