ዘ ዳውተርስ ቻሪቲይ
⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
* ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቅሪ ዕቤት መሰልጠኒ ማእከል ደቂ ኣንስትዮ መቐለ ንቅድን ስፌትን ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ጨርቅታትን ናይ ስፌት ኣቑሑትን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
* ተጫረቲ ዝተሓደሰ ናይ 2019 ዓ.ም ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ ቫት (VAT) ወይ ቲኦቲ (TOT) ምስክር ወረቐት ዘለዎምን ናይ ጨረታ ውሕስና (CPO) 5% ብሽም እቲ ማሕበር ዘትሕዙን ክሆኑ ይግባእ።
* ናይ ጨረታ ሰነድ ብብር 200.00 ብምክፋል ካብ ዕለት 25/12/2018 ዓ.ም ኣትሒዙ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክውሰድ ዝኸእል ኮይኑ፣ እቲ ጨረታ ብዕለት 02/13/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ይኽፈት።
* ዝሰዓረ ተጫራቲ እቲ ማተርያል ተዓዋቲ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ከቕርብ ኣለዎ።

ምልክታ ጨረታ


ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቅሪ ዕቤት መሰልጠኒ ማእከል ደቂ ኣንስትዮ መቐለ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዓቕሚ ምዕባይ ስራሕቲ ከም ምድላው ምግብን ቅድን ስፌትን ስልጠና ፣ ናይ ደ/ኣንስትዮ ፀጉሪን ሜክ ኣፕ ስልጠና ፣ሓፀርቲ ናይ ዓቕሚ ምዕባይ ስልጠናታት ዝሰርሕ ትካል እንትኸውን ን ቅድን ስፌትን ዝከውን ዝተፈላለዮ ጨርቅታትን ክርን ካልኦት ንስፊት ዘገልግሉ ማተርያል ኣጫሪቱ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትጫረቱ ትደልዩ ነጋዶ በዚ ዝተገለፀ ረቋሒ መሰረት ንክትጫረቱ ንዕድም::

❖ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ 2019 ዓ.ም ዘለኹም

❖ ቫት ውይ ቲኦቲ ዝተመዝገብኹም

❖ ሲፕኦ ናይቲ ጨረታ ዝተጫረትዋ ዋጋ 5% ብሽም ድርጅት የትሕዝ::

❖ ዝሰዓረ ተጫራቲ እቲ ማተርያል ካብ ዝሰዓረሉ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል ተዘይኮይኑ እቲ ዝትሖዞ ሲፕኦ ንድርጅት ኣታዊ ይኸውን::

እዚ ጨረታ ክትጫረቱ ድልየት ዘለኩም ነጋዶ ብር 200.00 ብምክፋል ካብ ዕለት 25/12/2018 ክሳብ 29/09/2018 ዓ.ም ኣብ ስራሕ ሳዓት ናይ ጨረታ ደኩመንት ንክትወስዱ ትክእሉ ምኻንኩም ንሕብር:: እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ብዘለውዎ ዕለት 02/13/2018 ዓ.ም ልክዕ ሳዓት 4:00 ይክፈት:: እቲ ማሕበር ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብኽፋል ወይ ብምሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዮ::

ኣድራሻ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቅሪ ዕቤት መሰልጠኒ ማእከል ደቂ ኣንስትዮ መቐለ

ካብ ቢንቶ ንዓዲሓውሲ ዝወስድ

መንገዲ ምስ ተዓፀፍኻ ጥቃ ናይ ደናግል ዓይኒ ሕክምና

ብኣስፋልት ገፅ:

ስ.ቁ 0942710270