ቢሮ ፋይናንስን ምትሕሕባር ሃፍትን

ንኻልኣይ ጊዜ ዝ።ቦ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ብመሰረት ደንቢ ቑፅሪ 36/2018 ዓ.ም. ነዚ ደንቢ መፈፀሚ መምርሒ ቑፅሪ 25/2018 ዓ.ም. ንሓርበኛታት፣ ጉዳኣት ኲናት ሕክምና፣ ነቲ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ንምልሳስን ህይወትን ዳግመ ህንፀት ትግራይን ምካያድ ዘድልይ ሃፍቲ ንምትእኻብ፣ ኣብ ትሕቲ ኤጀንሲ ልምዓት ምምሕዳር ኣባይቲ ክልል ትግራይ ኣብ መቐለ ክፍለ ከተማ ቐዳማይ ወያነ 14፣ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን 2፣ ብድምፅ 16 ንድርጅት ግልጋሎት ዝውዕሉ ንመሸጣ ዝቐረቡ ኣባይቲ ምስ ሙሉእ ሒዝቶኦም መሬቶም ንምግዛእ ድልየት ዘለዎም ውልቀ ሰባት፣ ውልቀ ነጋዶ፣ ግዚያዊ ሽርክና ማሕበር፣ ህጋውያን ማሕበራት፣ ናይ መንግስቲ ትከላት ልምዓትን ትከላት ንግድን ንኽወዳደሩ ይዕድም።

በዚ መሰረት፡

  1. ተጫራቲ ንሓደ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 20.000.00 / ዓሰርተ ሽሕ / ብሽም ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ናብ ዝተኸፈተ ባንኪ ሒሳብ ቑፅሪ 1000539031663 ኣታዊ ብምግባር ናይ ባንኪ ስሊፕ ሒዞም ናብ ቢሮ ፋይናንስን ምምሕዳር ሃፍትን ክልል ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 2-09 ብምምፃእ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ቅድሚ ሰዓት 2፡30-6፡00 ድሕሪ ሰዓት ካብ ሰዓት 8፡00-10፡30 ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ 20/12/2018 ዓ/ም ክሳብ 29/12/2018 ዓ/ም ተኸታታሊ መዓልቲ ሰነድ ጨረታ ክገዝኡ ይኽእሉ እዮም ፣
  2. ብስም ውልቀ ነጋዳይ፣ ድርጅት ወይ ትካል ወይ ህጋዊ ማሕበር ንዝወዳደሩ ድማ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ ግብሪ ኸፋሊ መለለዪ ቑፅሪ (TIN)፣ ብመሰረት መጣይ ፅሑፍ ወይ ምምሕዳር ደንቢ ትካል ዝተሃቦ ስልጣን ክኣርቡ።
  3. ተጫረቲ ንዝጫረቱሉ መሬት ወይ እውን ገዛ ዝተቐመጠ መበገሲ ዋጋ ዘለዎ ጠቕላላ ስፋሕት ካሬ ብ 7% ብምብዛሕ መኽበሪ ጨረታ CPO ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ጥራሕ ክኣርቡ ዝኽእሉ።
  4. ጨረታ ዕለት 02 13 2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 9፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ ጨረታ ንምኽፋት ኣብ ዝጥዕም ግልፂ ኣዳራሽ ተጫረቲ ወይ እውን ህጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ዝኸፈት ይኸውን።
  5. ቢሮና ዝሓሸ ብሉፅ ኣማራፂ እንተረኺቡ ብሙሉኡ ወይ እውን ብኸፊል ጨረታ ናይ ምሰራዝ መበሉ ዝተሓለወ እዩ።
  6. ንዝበለፀ ሓበሬታ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 209 በአካል ብምምፃእ ምሕታት ዝክኣል ምዃኑ ንሕብር።

ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ