ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ
⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
* ትካል ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ናይ ፅሕፈት መሳርሒታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ፣ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ናይ ቫት፣ ግብሪ ከፋሊን መቕረባይነትን ምስክር ወረቀት ዘለዎም ተጫረቲ ይዕድም።
* ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ብር ብምክፋል ካብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ፣ ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ 20,000 ብር ብ CPO ወይ ብባንኪ ውሕስና ከትሕዙ ኣለዎም።
* እቲ ጨረታ ካብ 20/12/2018 ዓ/ም ክሳብ 27/12/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ፣ ብዕለት 27/12/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ቅድሚ ቀትሪ ይከፈት።
* ዝሰዓረ ተጫራቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብቲ ትካል ዋና ቢሮ ከረክብ ይግበኦ።

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ፅሕፈት መሳርሒ

ትካልና ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማን ዝተፈላለየ ዓይነት ዘለዎ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ነቲ ዝተቀመጠ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም፤

ክማልኡ ዝግብኦም ረቋሕታት

1. ተጫረትቲ በቲ ዘርፊ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ናይ ቫት ተመዝገብቲ መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ናይ ግብሪ ከፋሊ ምስክር ወረቀት(II) ኣብ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ምስክር ወረቀት ኮፒ ጌሮም ን ከቅርቡ ዝኸኣለ፤

2. ተጫረቲ ሓደ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ዶክመንት ኣብ ዝተፋላለየ (ነንበይኑ) ፖስታ ብምዕሻግ ድሕሪኡ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ዓሽጎም ብምቅራብ ናይ ድርጅቶም ማህተም ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብንፁር ብምግባር ከቅርቡ ኣለዎም።

3. ተጫረቲ ዋጋ ካብ ናይ ባዕልና ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ምምላእ ኣይከኣልን፤

4. ተረትቲ ብር 20,000 (ዕስራ ሽሕ ብር) ናይ ጨረታ መኽበሪ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዚዚ (cpo) ወይ ድማ ኣብ ኹነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ከትሕዙ ዝኸእሉ።

5. ተጫረትቲ ዘይምለስ ብር 200 (ክልተ ሚእቲ) ብምኸፋል ሰነድ ጨረታ ካብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ቢሮ ክፍሊ ዕደጋን ፋይናንስን ምውሳድ ይኸእሉ። 

6. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 20/12/2018 ክሳብ 27/12/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ሳዕን ጨረታ ዕለት 27/12/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ትካልና ይኸፈት። ተረትቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ኣብ ስነ ስርዓት ምኸፋት ጨረታ እንተዘይተረኺቦም ትካልና ጨረታ ሰነድ ናይ ምኸፋት መሰለ ዝተሓለወ እዩ።

7. ትካልና ካብ ብር 20,000 ን ልዕሊኡን ንዝግበር ናይ ንብረት ዕድጊት ናይ ግልጋሎት ዕድጊታት 3%[withholding tax) ትካልና ባዕሉ ዝእክብ ምኻኑ ዝኾነ መቅረባይ ኣፍልጦ ክህልዎ ይግባእ፤

8. ትካልና ብድሌቱ ክሳብ 20% መጠን እቲ ግልፂ ጨረታ ክቅንስ ወይ ክዉስኸ ይኽእል፤

9. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ሕሉው እዩ።

10. ዝሰዓረ ተጫራቲ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዘቅረብናዮ ስፐስፊኬሽን መሰረት ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ትካልና ዋና ቢሮ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ከረክብ ዝክእል።

ምስ ሰላምታ

ኣድራሻና: -መቐለ ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ባንኪ ኣቢሲንያ ዝርከበሉ ህንፃ 3 ዳብሩ ንርከ

ሞባልይ ቁፅሪ 0967568418, 0914766793+251938000111