⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
* ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 26/08/2026 ኣ/ፈ ክሳብ 28/08/2026 ኣ/ፈ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት ኣብ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ካብ ዝርከብ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ምውሳድ ይከኣል።
* ጨረታ/ፕሮፎርማ በቲ ዝተጠቀሰ ዕለት 28/08/2026 ኣ/ፈ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ይኸፈት።
* ተወዳደርቲ ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሕተምዎ ሓዱሽ ቅብሊት ወይ ናይ ካሽ ረጅስተር መሽን ዘለዎም ሕጋውያን መቕረብቲ ክሆኑ ኣለዎም።
ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ path way & safe Future ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብዝተረኸበ ሓገዝ
1. ግልጋሎት ሕትመት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፊ ሕጋዉያን መቕረብቲ ዝኾንኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 26 /08 /2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 28 /08/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ስዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኸእሉ።
✓ ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 28 /08/ 2026 ስዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ስዓት ይኸዉን መብርሂ፤ ኣብ ጨረታ ክሳተፍ ዝኽእል ሓዱሽ ቅብሊት ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሐተመ ወይ ካሽ ረጅስተር መሽን ዘለዎ ጥራሕ ክኸዉን ኣለዎ
ምስ ሰላምታ