ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ
⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
* ተጫረቲ ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ መቕረባይነት መረዳእታን መለለዪ ቑፅሪ ከፋሊ ግብሪ (TIN)ን ከቕርቡ ዝኽእሉ ክሆኑ ኣለዎም።
* ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምኽፋል ምውሳድ ዝኸኣል ኮይኑ፣ ናይ ሕትመት መክበሪ ጨረታ (ቢድ ቦንድ) 15,000 ቅርሺ ብCPO ወይ ብዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ክቐርብ ኣለዎ።
* ናይ ጨረታ ሰነድ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ዋናን ቕዳሕን ብክልተ ፖስታ ካብ ዕለት 12/12/2018 ዓ.ም ክሳብ 26/12/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ዝቐርብ ኮይኑ፣ ጨረታ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ይኸፈት።
* እቲ ዝቐርብ ዋጋ ን15 መዓልትታት ፀኒዑ ዝፀንሕ ኮይኑ፣ ሰነድ መሸጣን ምኽፋትን ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ (ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ) ይካየድ (ተወሳኺ ሓበሬታ፡ 0344414637)።

1 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግድ መረዳእታ : መቅረባይነት ዘለዎም ፡ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎም

2መከበሪ ጨረታ ናይ ሕትመት 15000 ቅርሺ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብዘይሳዓር ሌተር ኦፍ ክሪዲት ዝቀርብ ዉሕስና ጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ከዓ ናይ ክፍሊ ትእዛዝን

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብቲ ቢሮ ክትወስዱ ትክእሉ

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ 26/12/2018 ዓም ሰዓት 3፡00 ኮይኑ ዝክፈተሉ ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ይከዉን

5 ጨረታ ወፂኡ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ ብመሰረት እቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቆሒ ስፐስፈኬሽን መሰረት ካብ ዕለት 12/12/2018 ዓም ክሳብ 26/12/2018 ዓም ኮይኑ ሰነድ ጨረታ ምስተገዘእ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ዋናን ቅዳሕን ብክልተ ፖስታ ዘቅርቡ ይኮኑ

6 እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ን 15 መዓልቲ ይከዉን

7 ኣድራሻ ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናስን ዝርከብ ኣብ ኮምፐሌክስ ናይ ሓባር ህንፃ ሐደ ብሎክ ሐደ ኣብ ቀደማይ ደበሪ ደብሪ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን እዩ

8 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344414637