ቁፅሪ:-ዳ/ዕን ምም/ርን/05/19
ዕለት:-12/12/2018 ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ ስራሕቲ ጎማን ላቫጆን
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ንምም/ርን ካብ መደበኛ በጀት 2019 ንዘለዉኦ መኪና ስራሕቲ ጎማን ላቫጆን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክሳብ ሰነ 30/2010 ዓ/ም ዉዕል ብምእሳር ከስርሕ ክግልገል ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ/ ከተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት
✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2018/2019 በጀት ዓመት ዘሓደሱን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን ፡
✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይ ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2018/2019 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ፡ ዘለዎምን ዘቕርቡን እንተኮይኖም ይምረፅ፡፡
✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ፡፡
✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሸጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዝወፀሉ ዕለት 12/12/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 11፡30 እዩ፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወ ዕለት 14/12/2018 ዓም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ 3፡30 ተዓሸጉ ልክዕ ሰዓት 4፡00 ዝክፈት ይኸውን፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዕለት 15/12/2018 ዓም ኣብ ዳይዕን ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 44 ልክዕ ሰዓት ይኾዉን፡፡
✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀለ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ሰነ 30/2019 ዓ/ም ዉዕል ብምእሳር ግልጋሎት ብዝተኣዘዞ መሰረት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ክህብ ዝክእል፡፡
✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንተሃልይዎ ካብ ውድድር ወፃኢ ይኸውን፡፡
✓ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ አንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡
✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡