ዳሎል ትራንስፖርትና ንግድ ኣክስዮን ማሕበር
⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
• ዳሉል ትራንስፖርትና ንግድ አ/ማ ንዓበይቲ ተሽከርከርቲ ዝኾኑ መለዋወጢ ኣቝሑት፣ ናይ መኪና/ተሰሓቢ እግሪ ሸራ፣ ሞተር ዘይቲ (15*40) እና ሳይሎን ጎማ (12*20) ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
• ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፍቓድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዪ (TIN)፣ VAT ሰርተፊኬት፣ ናይ ዘመኑ ታክስ ክሊራንስን ናይ መቕረባይ ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ከቕርቡ ይግባእ።
• ኣብ መቕረቢ ሰነድ ጨረታ ናይ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን፣ መረከቢ ቦታን ግዜን፣ ኩነታት ክፍሊት (ባንክ ኣካውንት)፣ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምዃኑ/ዘይምዃኑን ናይቲ ትካል ሙሉእ ኣድራሻን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ።
• ጨረታ ካብ ነሓሰ 5/2018 ዓ.ም ክሳብ ነሓሰ 9/2018 ዓ.ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ፣ ኣብ ነሓሰ 9/2018 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ተዓፂኡ ብሰዓት 4፡15 ተጫረቲ वा ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።

ጨረታ

ዳሉል ትራንስፖርትና ንግድ አ/ማ ንዘለዎኦ ዓበይቲ ተሽከርከርቲ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መለዋወጢ ኣቝሑት፧ሞተር ዘይቲ፧ጎማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት ተማልኡ በብዘርፍኹም ዋጋ መሊእኹም ክተቕርቡንዕድም።

1. ቀንዲ ሕጋዊ ሰነዳት

• ዝተሓደሰ ንግድ ፍቓድ (Renewed Business License)

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዪ ቁፅሪ (TIN Certificate)

• ናይ ቫት (VAT) ሰርተፊኬት

2. ናይ ታክስን ፋይናንስን ሰነዳት (Tax & Financial Requirements)

• ናይ ዘመኑ ግብሪ ክሊራንስ (Tax Clearance Certificate)

• ናይ መቕረባይ ዝርዝር ምዝገባ ሰርቲፊኬት

3. ኣብ ጨረታ ሰነድ ክካተቱ ዝግበኦም መረዳእታ

• ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን (Validity Period)

• መረከቢ እዋን (Delivery Time)

• ዘርክብሉ ቦታ(Delivery Place)

• ኩነታት ክፍሊት (Payment Terms) ባንኪ አካውንት ቁፅሪ (ንግዲ ባንክ ኢትዮጵያ) ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ወይም ቫት ዘይሓወሰ ምዃኑ ብንፁር ምቕማጥ

• ናይቲ ትካል ሙሉእ አድራሻ፦ ሽም ትካል፣ ስልኪ ቁፅሪ

4. ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ነሓሰ 5/2018 ዓ.ም ክሳብ ነሓሰ 9/2018 ዓ.ም ኮይኑ ጨረታ ነሓሰ 9/2018 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ተዓዕዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡15 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪሎም ብዝተረኸብሉ ይኽፈት።

5. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ተ/ቁዓይነት ኣቕሓመለክዒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠቕላላ ዋጋመብርሂ
1ሳይሎን ጎማ ናይ ቅድሚት 12*20ቁፅሪ14
2ናይ መኪና እግሪ ሸራ/Q INYAN/ ቀዳማይ ደረጃቁፅሪ224
3ናይ ተሰሓቢ እግሪ ሸራ/FRASLE/ ቀዳማይ ደረጃቁፅሪ264
4ዘይቲ ሞተር 15*40 ቁፅሪ ዴሎ ጎልድ በዓል 25 ሊትር ጀሪካን ቀዳማይ ደረጃቁፅሪ35