ቃላሚኖ ኢንቨስትመንት ማእከል
⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
* ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ንብረታት፣ ማሽናትን ናይ ትራክተር ስክራፕን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።
* ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ቁፅሪ 2 የማይመለስ ብር 100.00 ብምኽፋል ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ፣ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 10,000.00 ብጥረ ገንዘብ वा CPO ከተሕዝ ዝኽእል።
* ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ 05/12/2018 ክሳብ 20/12/2018 ዓ/ም ኣታዊ ይገብር፤ እቲ ጨረታ ብዕለት 20/12/2018 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብሰዓት 3:30 ይኸፈት።
* ተጫረቲ ንብረታት ብኣካል ርእዮም ብትካልና ብዝተዳለወ ዋጋ መቕረቢ ቅጥዒ ጥራሕ ዋጋ መሊኦም ከቕርቡ ዘለዎም ኮይኖም፣ ሰዓራይ ዝኾነ ኣካል ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ክፍሊት ፈፂሙ ንብረቱ ከልዕል ይግባእ።

ግልፂ ጨረታ

ዘገልገለ ንብረታት

ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝርከብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ኣቁሑ ሓፂን መፂን ናይ ዓውዲ መዝበጢት ማሽን ፣ ዓፃዲት እኸሊ ማሽን፣ ትራክተር (Scrap) ፣ ናይ ማይ ትቦ ሓፂን 6 ሜትሮ ፣ናይ መኪና መቀያየሪ ኣቁሑትን ካለኦት ብዝሕ ዝበሉ ዝተፈላለዩ ዘገልገለ ንብረታት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ንምግዛእ እትደልዩ ኣካላት ዝስዕብ ሮቛሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም፣ በዚ መሰረት

1) ተወዳደርቲ ብጨረታ ዝሽየጡ ዘገልገሉ ኣቁሑት መዕፀዲት ማሽን ፣ናይ ዓውዲ መዝበጢት ማሽን ፣ ትራክተር(Scrap)ን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዘገልገለ ንብረታት ብኣካል ቀሪቦም ብምርኣይ ክገዝእዎ ንዝደልዩ ንብረት ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትው ይግባእ፡፡

2) ኣብ ናይ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር ተቀሚጡ ስለዘሎ ኣብቲ መወዳደሪ ሰነድ ናይ ዝደልዩዎ ዓይነት ንብረት ዋጋ ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትው ይግባእ፡፡

3) ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 05/12/2018 ክሳብ 20/12/2018 ዓ/ም፣ ኣብ ቃላሚኖ ማእኸል ኢንቨስትመንት ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳዱቕ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ፣

4) እቲ ጨረታ ዕለት 20/12/2018 ዓ/ም ናይ ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ፤ሰዓት 3፡30 ኣብ ትካልና ቃላሚኖ ማእኸል ኢንቨስትመንት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት፣

5) ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 10,000.00 / ዓሰርተ ሽሕ/ ብሽም ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO ከትሕዙ ዝኽእሉ ፣

6) ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብምኸፋል ካብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ቁፅሪ 2 ዝርከብ ክወስዱ ይኸእሉ ፣

7) ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝግለፀሉ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ንብረቱ እንተዘይወሲዱ ዘትሐዞ መኽበሪ ጨረታ ሲፒኦ ወይ ጥረ ካዝና ኣታዊ ይግበር፡፡

መዓልቲ ሒሳብ ከፊሉ ገንዘብ ናብ ናይ ትካልና

8) ዝርዝር ድሌት መግለፂ ትካልና ካብ ዘቕርቦ ናይ ዋጋ መቅረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቕርብ ተቐባልነት የብሉን፣

9) ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ። ንተሰኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0914731592 ምድዋል ይከኣል እዩ