ወረዳ ዓዲየት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን
⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
Here is a clear and concise summary of the tender details in

ምልክታ ጨረታ

ወረዳ ዓዲየት ቤት ፅሕፈት ልምዓት ምምሕዳርን ፋይናንስን ብናይ 3R for Care Complement ክልተ በጀት አቢሉ ንዝተጎድኡ ደቅ ኣንስትዮ ሙያዊ ስልጠና ንምሃብ፣ ንምህብህቢ ህፃናት ግልጋሎት ውዕል፣ ዝተፈላለዩ ዓይነት ንብረታት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት፣ ስፔር ፓርት (ማለት ውን መለዋወጢ ዕጥቂ ኣቑሑት)፣ ናይ ገዛን ናይ ቢሮን መሳርሒ ኣቑሑት፣ ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሒ ኣቑሑት፣ ናይ ጨርቃ ጨርቂ፣ ናይ ሕርሻ መሳርሒ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ፡

ነቶም ብዝርዝር ዝተቐመጡ ዓይነታት ዕድጊት ብናይ ባዕሎም ዘፈር ንግዲ ዝተፈሌ ህጋዊ ንግዲ ፈቓድ ናይ 2018-2019 ዓ.ም. ዘለኹም፣ ንናይ ባዕሎም ዘፈር ንግዲ ዝተፈላለየ ናይ መቕረባይነት ካርድ ናይ 2018-2019 ዓ.ም. ዘለኹም መቕረብቲ፣ TIN number ዘለኹም መቕረብቲ፣ ካብዚ ቐፂሎም ንዝተዘረዘሩ ዓይነታት መስፈርታት እትመልኡ መቕረብቲ ክትወዳደሩ ንዓድም።

  • ንኹሎም ዓይነታት ጨረታ ተወሳኺ እሴት ታክስ (VAT) ዝተመዝገብኩምሎም መቕረብቲ ክትሳተፉ ንዓድም።
  • ናይ VAT Declaration በብወርሑ ኣታዊ ዝገበርክሙሉ ክሳብ ወርሒ ሰነ ዕለት 30/2018 ዓ.ም. ዘፍለጥክሙሉ መረዳእታ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ኣለዎ።

ጨረታ አየር ክፉት ንምዃኑ፡

  • ሰነድ ጨረታ እንተጨረቲ ዝሽየጠሉ ንዚ ካብ ዕለት 19 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 08 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ጊዜ ሰነድ ጨረታ ተሸይጡ ይውዳእ።
  • ሳንዱቕ ጨረታ ዝዓሸገሉን ዝኽፈተሉን ዕለት 08 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ሰዓት 5:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ መዓልቲ፣ ዝተሸጠ ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋና ምስቲ ቕዳሕን ነንበይኑ ተዓሺጉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ኬድ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ዝርከብ ሳንዱቕ ጨረታ ዝኣቱ እዩ።
  • እቲ ጨረታ ዝኽፈተሉ በቲ ዕለት ንሱ ኾይኑ ሰዓት 5:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጨረቲ ወይ ድማ ህጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት።
  • መኽበሪ ጨረታ ምስ ቕፒ ሰነድ ኣብ ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ተቐሚጡ ይርከብ።
  • ካልኦት ኣድለይቲ ዝበሃሉ ሓበሬታታት ውን ዝበለፀ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ specification ተቐሚጡ ስለዘሎ ካብኡ ኣንቢብኩም መረዳእታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ብጨረታ ዝስዓርኩም መቕረብቲ ንኹሎም ዓይነት ዕድጊታት ብናይ ባዕልኹም መፅዓንን መራገፍን መጓዓዝያን ወፃኢ ሸፊንኩም ናብ ቤት ፅሕፈትና ከተማ ሰመማ ኣብ ውሽጢ 8 መዓልቲ ክትረክቡ ኣለክም።

ቤት ፅሕፈትና በቲ ዝወፀኦ ጨረታ ምልክታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙኡል ይኹን ብኸፊል ናይ ምሰረዝ መብቱ ዝተሓለወ እዩ።

ኣብዚ ወፂኡ ዘሎ ጨረታ መብርሂ ክሓትት ንዝደሊ መቕረባይ ብቁፅሪ ስልኪ 0914376030 ወይ ድማ 0923412447 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ወረዳ ዓዲየት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን