ቢሮ ፋይናንስን ምትሕሕባር ሃፍትን
⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
for the land/house they are bidding for.

ምልከታ ጨረታ

ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ብመሰረት ደንቢ ቑፅሪ 36/2018 ዓ.ም. ነዚ ደንቢ መፈፀሚ መምርሒ ቑፅሪ 25/2018 ዓ.ም. ንሓርበኛታት፣ ጉዳኣት ኲናት ሕክምና፣ ነቲ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ንምልሳስን ህይወትን ዳግመ ህንፀት ትግራይን ምካያድ ዘድልይ ሃፍቲ ንምትእኻብ፣ ኣብ ትሕቲ ኤጀንሲ ልምዓት ምምሕዳር ኣባይቲ ክልል ትግራይ ኣብ መቐለ ክፍለ ከተማ ቐዳማይ ወያነ 14፣ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን 2፣ ብድምፅ 16 ንድርጅት ግልጋሎት ዝውዕሉ ንመሸጣ ዝቐረቡ ኣባይቲ ምስ ሙሉእ ሒዝቶኦም መሬቶም ንምግዛእ ድልየት ዘለዎም ውልቀ ሰባት፣ ውልቀ ነጋዶ፣ ግዚያዊ ሽርክና ማሕበር፣ ህጋውያን ማሕበራት፣ ናይ መንግስቲ ትከላት ልምዓትን ትከላት ንግድን ንኽወዳደሩ ይዕድም።

በዚ መሰረት፡

  • ተጫራቲ ንሓደ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 20,000 ብስም ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ናብ ዝተኸፈተ ባንኪ ሒሳብ ቑፅሪ 1053903163 ኣታዊ ብምግባር ናይ ባንኪ እስሊፕ ሒዞም ናብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 209 ብምብፃሕ ከብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ቅድሚ ሰዓት ከብ 2:30 ክሳብ 6:00፣ ድሕሪ ሰዓት ድማ ከብ ሰዓት 8:00 ክሳብ 10:30 ኣብ ዘሎ ጊዜ ከብ ዕለት 21/11/2018 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 30/11/2018 ዓ.ም. ተኸታታሊ መዓልቲ ሰነድ ጨረታ ክገዝኡ ይኽእሉ እዮም።
  • ብስም ውልቀ ነጋዳይ፣ ድርጅት ወይ ትካል ወይ ህጋዊ ማሕበር ንዝወዳደሩ ድማ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ ግብሪ ኸፋሊ መለለዪ ቑፅሪ (TIN)፣ ብመሰረት መጣይ ፅሑፍ ወይ ምምሕዳር ደንቢ ትካል ዝተሃቦ ስልጣን ክኣርቡ።
  • ተጫረቲ ንዝጫረቱሉ መሬት ወይ እውን ገዛ ዝተቐመጠ መበገሲ ዋጋ ዘለዎ ጠቕላላ ስፋሕት ካሬ ብ 7% ብምብዛሕ መኽበሪ ጨረታ CPO ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ጥራሕ ክኣርቡ ዝኽእሉ።
  • ጨረታ ዕለት 1/12/2018 ዓ.ም. ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተዓፂኡ፣ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ ጨረታ ንምኽፋት ኣብ ዝጥዕም ግልፂ ኣዳራሽ ተጫረቲ ወይ እውን ህጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ዝኸፈት ይኸውን።
  • ቢሮና ዝሓሸ ብሉፅ ኣማራፂ እንተረኺቡ ብሙሉኡ ወይ እውን ብኸፊል ጨረታ ናይ ምሰራዝ መበሉ ዝተሓለወ እዩ።
  • ንዝበለፀ ሓበሬታ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 209 በአካል ብምምፃእ ምሕታት ዝክኣል ምዃኑ ንሕብር።

ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ