ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ናብ ደብረዳሞ ንስራሕ ንምኻድ መጎዓዝያ ትኸውን 05 ሰብ ትሕዝ 1 ሃርድቶፕ መኪና ክካረይ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
ነዚ ዝስዕብ ሮቋሓታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም
1. ናይ 2018 ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/ን፣ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂን ዘቕርብ፡፡
2. ካላውዶ ዝገበረት
3. ሳልሳይ ወገን ኢንሹራንስ ዘለዋ
4. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 20/11/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ምውሳድ ይካኣል፡፡
5. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 23/11/2018 ስዓት 03፡30 ሰዓት ናይ ንጉሆ ኣታዊ ኾይኑ ይዕሽግ፡፡
6. ፕሮፎርማ ዝኽፈተሉ ዕለት 23/11/2018 ስዓት 04፡00 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸውን፡፡
7. እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ግዝኢት ፈፃሚ ኣካልን መቕረባይን ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡
8. ኣብ ውሽጢ 1 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል።
9. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
10. ተጫረቲ ሰነድኹም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ንክተእትዉ ንሕብር።
11. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 110 እዩ፡፡
12. ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 09-14-76-94-50 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል።