ቁፅሪ:-ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/ 31 /019
ዕለት:- 16/11/2018 ዓ/ም
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕን/ምም/ርን ካብ መደበኛ በጀት 2019 ምልክታ ፕሮፎርማ ስራሕቲ ጎማን ላቫጆን ንዘለዉኦ መኪና ስራሕቲ ጎማን ላቫጆን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክሳብ ሰነ 30/2019 ዓ/ም ዉዕል ብምእሳር ከስርሕ ክግልገል/ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት
✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2018/2019 በጀት ዓመት ዘሐደሱን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡
✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይ ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2018/2019 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ፣ ዘለዎምን ዘቕርቡን እንተኮይኖም ይምረፅ፡፡
✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ፡፡
✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዝወፀሉ ዕለት 16/11/2018 ዓ/ም ይኸውን፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/11/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11፡30 እዩ፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዕለት 21/11/2018 ዓም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይ/ዕ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 44 ልክዕ ሰዓት 3፡30 ተዓሸጉ ልክዕ ሰዓት 4፡00 ዝክፈት ይኾዉን፡፡
✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ሰነ 30/2019 ዓ/ም ዉዕል ብምእሳር ግልጋሎት ብዝተኣዘዞ መሰረት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ክህብ ዝክእል፡፡ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንተሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምፅራይ ውድቂ ይግበር፡፡
✓ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡