ቁፅሪ-ዕ/001/ጨ/04/2018
ዕለት-14/11/2018ዓ/ም
ምልክታ ጨረታን shoping
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣዕቢ ካብ ናይ ዋን ዋሽ 2 ምዕራፍ ዝተረኸበ በጀት ኣብ ጣብያ ፈ/ወይኒ ኬላ ጥዕና ሓዱሽ ዝርገሐ መስመር ማይ ፕሪፎርማ /shoping ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለ ዝደለየ ናይ ማይ ስራሕቲ ፍቃድ ዘለኩም፣ ብፕሪፎርማ /shoping / ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ ።
ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቛሒታት ከማልኡ ኣለዎም።
1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ መቅረባይነትን ቲን ናምበርን ዘለዎ ናይ ሙያ ሕድሳትን ብቅዓትን ዘለዎ ኣብ መቅረብቲ ዝተመዝገበ ምውድዳር ይከኣል ። ቫት ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ሰነ ዲክለር ዝገበረ
2. ነቲ ዝርገሐ ሓዱሽ መስተ ማይ ዘድሊ ማተርያል ወይ ሓዱሽ ንብረት ባዕሉ ገዚኡ ሙሉእ ንሙሉእ ክሰርሕ ዝክእል
3. ተወዳዳራይ ናይ ኢድ ሙያ ዕገናን ከምእውን ዘድሊ ጉድጓድን ሓመድ ምድፋንን ባዕሉ ተወዳዳራይ ክመልእን ብዕሬት ማይ መስተ ክሰርሕ ዝክእል
4. ናይ ጨረታ ውሕስና ብኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንክ ካብ ዝተፈቐደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስርተ ናይ ባንኪ ውሕስና “ናይ ገንዘብ ክፍሊት መእዘዚ (CPO) ወይ ብጥረ ገንዘብ ብር 10000.00 / ዓሰርተ ሽሕ / ከቕርቡ ኣለዎም።
5. ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከቡሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 20 /ዒስራ / ናይ ስራሕ መዓልቲ ውሽጢ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም ።
6. ጨረታ ሰነድ ካብ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 15/11/2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 22/11/2018 ዓ/ም ኮይኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ዝርከብ ከይዲስራሕ ዕደጋን ንብረትምምሕዳርን ፣ ቢሮ ቑፅሪ 03 ክወስዱ ይከእሉ።
7. መግዝኢ ሰነድ ብር 200/ክልተ ሚኢቲ ብምክፋል ምውሳድ ይከኣል ___
13.ተጨራታይ ዝመልኦ ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናል ምስ ፎተኮፒ ነኒ በይኑ ብፖስታ ተዓሽጉ ተፈልዩ ኦርጅናልን ኮፕን ተባሂለ 1 ኮፒ ምስ ኦርጂናል ዝክፈት 2 ኮፒ ተባሂሉ ብቤትፅሕፈት ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጭረታ ክሳብ ዕለት 22/11/2018 ዓም ሰዓት 5:00 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይኸእሉ እዮም።
14. ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቐረቡ ቅጥዕታት ብትኽክል መሊኦም ኣብ ሕድ ሕድ ገፅ እቲ ዶኩመንት ፈሪመኦምን ሓቲሞምን ፤ ቅደም ሰዓብ እቲ ዶኩመንት እንተይዛቡዑ እቲ ዶኩመንት ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከየጓደሉ ኸቅርቡ ኣለዎም።
15.እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 22/11/2018 ዓ.ም.ልክዕ ሰዓት 5:00 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 22/11/2018 ዓ.ም. ልክዕ ሰዓት 5:30 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ቢሮ ቑፅሪ 03 ክኸፈት እዮ። ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብዘይ ምቕራቦም ስነስርዓት ምክፋት ጨረታ ኣይተዓናቀፍን ወይ ከይተከፈተ ዝምለስ ሰነድ ጨረታ ኣይህሉን።
16. እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
17. ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ዝርከብ ከይዲ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ብኣካል ብምቕራብ ወይ ድማ ብቑዕሪ ስልኪ 0914160747 ወይ 0914162205 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል እዩ።