ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳርን መጎዓዝያን ወረዳ ጋንታ አፈሹም ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅርን ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀት ኮንስትራክሽን

ንግዲ ትካላት BC GC ብርኪ ስራሕ ፍቃድ ንዘለዎም ዉልቀ ኮንትራክተራት ወይ ኮንስትራክሽን ሽርካና ማሕበር ደኣንት ኣናሽተይን ንግዲ ትካላት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

1 ብመሰረት እዚ ንዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ እተማልእ ተወዳደርቲ ካብ 29/10/2018 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 19/11/2018 ዓም ሰዓት 11:30 ድሕሪ ሰዓት አብ ዘሎ ናይ ስራሕ ግዜ ናብ ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳርን መጎዓዝያን ወረዳ ጋንታ አፈሹም ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅርን ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀት ኮንስትራክሽን ቢሮ ቁፅሪ 2 እናከድኩም ዘይምለስ 500 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነድ ጨረታ ምዕድጋ ትክእሉ ምካንኩም ይገልፅ

2 ናይ 2018 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዝሐደስኩም ከምእዉን ንግዲ ምዝገባ ዘለኩም

3 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕ ፍቃድ ተኮናተራይነት ክተቅረቡ እትክእሉ

4 መለለይ ከፋላይነት ግብሪ ክተቅረቡ እትክእሉ

5 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩም ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ግንበት ሒሳብ ዘፍለጥክመሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእል

6 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት መቅረባይነት ወረቀት ንግዲ ምዝገባ ክተቅርቡ እትክእሉ

7 ናይ 2018 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈተ ዝተሐደሰ ዘፈር ቁጠባ ደቀቅቲን ኣናሽተይን ማእከሎት ንግዲ ትካላት ምግለፂኡ ደረጃ ትካል ምስ ምስክር ወረቀት ዳኣንት ሰርተፊኬት ዋና ቅዳሕን ክትቅረቡ እትክእሉ

8 ካብ ዝምልክቶ በዓል መዚ ዝተዉሃበኩም ሐርበሻታት ምካንኩም ዝገልፅ ዋና ቅድሕን ምስክር ወረቀት ክቅርብ ዝክእል

9 ኩለኩም ተጫረቲ ኣብ መንግስታዊ ይኩን ዘይምንግስታዊ ትካል ብቀዋምንት ይኩን ብግዝያዊ ተቆፂርኩም ዘይትሰርሑ ምካንኩም ዝገልፅ እዋናዊ መረዳእታ ካብ ዘፈር ቁጠባ ክተቅረቡ እትክእሉ

10 ተጫረቲ ናይቲ እትጫረትዎ ዘለኩም ፕሮጀክት ሰዓርቲ እንተኮይነኩም ሳይት ካብ ዝተረክብምሉ ዕለት ጀሚርኩም ኣብ ዉሽጢ 75 መዓልቲ ናይ ካላንደር በዓል ከይሐወሰ ስራሕ ወዲእኩም ክተርክቡ ይግባእ

11 ተጫረቲ ሰዓራይ ኮይንኩም ኣብ ትሰርሕዎ ፕሮጅክት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትኩም ብቅዓቶም ዘረጋግፅ ማለት ሲኦሲ ዝሐለፉ ሰብ ሞያ ጥራሕ ከስርሕ ዝክእልን ብተወሳኪ ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ክፍሊት ክከፍል ዝክእል

12 ዉሕስና ጨረታ ካብ በሄራዊ ባንኪ ኢትዩጰያ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንኪታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ናይ ገንዝብ ክፍሊት መአዘዚ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ 10000 ከቅርቡ አለዎም ብጥረ ገንዘብ እንተኮይኑ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ አፈሹም ገንዝብ ኣታዊ ዝገበረ ምካኑ ዝሕብር ቅብሊት ወይ መቀበሊ ሰነድ ቅድሚ ጨረታ ምካፈቱ ከቅርብ አለዎ

13 አቀራርባ ዝምልክተ ናብ ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳርን መጎዓዝያን ወረዳ ጋንታ አፈሹም ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅርን ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀት ኮንስትራክሽን ተባሂሉ ክቀርብ አለዎ

13 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ፋይናንሻል ዝሐዘ ሰነድ ሐደ ዋና ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ ዉሕስና ስፒኦን ቅድም ኢሎም ዝተጠቀሱ መረዳእታት ኣብ ዋና ዝተዓሸጉ ፖስታ ዉሽጢ ብምግባር ብቅዳሕ ከቅርብዎም ዝግባእ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር መዓቀኒን ስራሕ መጠቅላሊ ድምር ዋጋ ዲዛይይን ክልተ ቅዳሕ ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታት ነንበይኖም ምስዓሸጉም ሰለሰትኦም ዝተዓሸጉ ፖስታት ብሓባር ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ መሊስኵም ብምዕሻግን ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕል እቲ ዓብይ ፖስታ ብማርከር ብምፅሓፍን ማህተምኩም ብምዕራፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 20/11/2018 ዓም ሰዓት 8:00 ቅድሚ ቀትሪ በኣካል ብምክድ ክተእትዉ ትክእል ኢኩም

14 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 20/11/2018 ዓም ሰዓት 8:00 ክይኑ ዝክፈተሉ ግዝ ድማ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ይከዉን ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶምም ኣብ ዝተረክብሉ ግዜ ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳርን መጎዓዝያን ወረዳ ጋንታ አፈሹም ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅርን ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀት ኮንስትራክሽን ቤት ፅሕፈት ክክየድ እዩ

15ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ዝቀርቡ ቅጥዒታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ደኩመንት ፊርማክሙን ማሕተምክሙን ኣዕሪፍኩም ቅደም ሰዓብ እቲ ደኩመንት እንተይዛኣባዕኩም እቲ ደኩመንት ከምቲ ክሸየጥ ዝነበሮ ከይኣጎደልኩም ክተቅርቡ ይግባእ ዝተጎደለ ብትክክል ዘይተመለአ ቅደም ሰዓቡ ዝተዛበዓን ዝተዓሸገሉ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ምካኑ ዝገልፅ መፍለይ ዘይብሉ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ ክግበር ይክእል እዩ

16 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሱ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0945527340