ዘ ዳውተርስ ቻሪቲይ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ AGP ገባሪ ሰናይ ትካላት ብዝተረኸበ ሓገዝ

1. ናይ ፅሕፈት መሳርሒ (Stationary Materials)

2. ናይ ፅሬት ኣቑሑ(sanitary materials)

3. ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑ(Electronics)

4. Textile materials (Student Uniform)

ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ::

✓ በቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱ ዘርፍታት ሕጋዉያን መቕረብቲ ዝኾንኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 10 /07 /2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 14 /07/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ስዓት ኣ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።

✓ ፕሮፎርማ ዝኽፈተሉ ዕለት 14 /07/ 2026 ስዓት 9:00 ድሕሪ ቐትሪ ይኸዉን

መብርሂ፤ ኣብ ጨረታ ክሳተፍ ዝኽእል ሓዱሽ ቅብሊት ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሐተመ ካሽ ረጅስተር መሽን ጥራሕ ዘለዎ ክኸዉን ኣለዎ::