ቁፅሪ 241/2018ዓ/ም
ዕለት 30/10/2018ዓ/ም
ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቤት ህንፀት መቐለ ካብ በጀት ዓመት 2019ዓ/ም ዝኸፈል ካብ መቐለ ማይ ፈሳሲ ወይ ካብ ኪሓ ጥራሕ ንተሃነፅቲ ፅሩይ ዝስተ ማይ ተምፅእ ልዕሊ 15 ሜ.ብ ትሕዝ ቦጥ መኪና ምስ ዘለዉኦም ዉልቀ ሰብሃፍቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ክሳብ ሰነ 30/10/2019ዓ/ም ኣወዳዲሩ ዉዕሊ ክኣስር ይደሊ
| ታቁ | ዓይነት ግልጋሎት ክራይ | መለክዒ | ናይ ሓደ ሜትር ኪብ ዋጋ | መብርሂ | |
|---|---|---|---|---|---|
| ብር | ሳ | ||||
| 1 | ናይ ማይ ዋጋ ብመስራቤት ዝኽፈል ኮይኑ ልዕሊ 15 ሜትር ትሕዝ ቦጥ መኪና ካብ መቐለ ማይ ፈሳሲ ወይ ኪሓ ዕሩይ ዝስተ ኪብ ማይ ጥራሕ ንምምፃእ ክራይ | ሜትርኪብ |
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ
1/ ተወዳደርቲ እቲ ቀርብ ማይ ማይ ቡንባ ኣብ ዝጠፈአትሉ ግዜ ጥራሕ ዝቐርብ ምኻኑ ተረዲኦም በዚ ስራሕ ዘርፊ እዚ ናይ 2018ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቓድን ዝተሓደሰ መቅረባይነትን ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል ብተመሳሳሊ ቲን መፍለዪ ቁፅሪ ዘለዎን ናይ ቫት ዝተመዝገበሉን ናይዚ ቀረባ ወርሓዊ ድክሌር ዝገበርሉን ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል
2/ /ኣብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ ቫት ተመዝገብቲ ጥራሕ ኮይኖም ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 30/10/2018ዓ/ም ክሳብ ዕለት 13/11/2018/ም ሰዓት 3.00 ዘይምለስ 100 ብር ብምክፋል ካብ ፋ/ዕ/ ን/ምም/ን ቁፅሪ ገዛ 6 ክወስዱ ይኽእሉ እቲ ጨረታ ሳዓት 3.30 ተዓፅዩ ሳዓት 4.00 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ | ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብዝተረኸብሉ ይኹን ኣብዘይተረኸብሉ ይኽፈት
3/ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ዋጋ ስልዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ሓደ ሜ ዋጋ ምስ ቫቱ ብምምላእ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፌርማን ብምግባር _ ኣብቲ ናይ ቤትህንፀት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ መምልኢ ጥራሕ ተመሊኡ ንዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክሳብ ዕለት 13/11/2018ዓ/ም ሳዓት 3.30 ከእትዉ _ ከምዘለዎ ናገለፅና ድሕሪ ሳንዱቕ ምዕሻጉ ዝቐርብ ፖስታ ይኩን ሓሳብ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ንገልፅ
4/ ብተወዳደርቲ ዝምላእ ዋጋ ጨረታ ድሕሪ ምክፋቱ ክሳብ 10ተ መዓልቲ ዝፀንሕ ኮይኑ ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ተወዳደርቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ 3000ብር ብጥረገንዘብ ወይ ሕጋዉነት ዘለዎ ስፒኦ ብትካልና ዝገልፅ ከትሕዙ ኣለዎም
5/ ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ ሰዓሪ ኮይኑ ምስተነገሮ ድሕሪ ሰለስተ ናይ ጥርዓን መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ማዓልቲ ዉዕሊመክበሪ 3000 ብር ብጥረ ገንዘብ ብምትሓዝ ውዕሊ ዝኣስር ኮይኑ ናይ ንዝሃቦ ግልጋሎት ዝክፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 10000 ብር እንተኾይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 3% ዝኸፍል ምኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ
6/ መስራቤትና ዘሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ኮይኑ እዚ ጨረታ ከም ዉዕል ኮይኑ የገልግል
7/ ንተወሳኺ ሓቤሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ0975452063 /0914120805 ምሕታት ይከኣል
ቤትህንፀት መቐለ