ማሕበር መናእስይ ትግራይ

ግልፂ ጨረታ

ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ናይ ደርሁ፣ መብልዒ፣ መስተዪ፡ ቀለብ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ደርሁ፣ ዲስ ኢንፌክታልንት ብግልፂ ሕጋውያን ነጋዶ ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ

1. ሕጋዊ ንግዲ ክማላእ ዝግበኦ ፍቃድ ዘለኩም ናይዚ ዘመን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ንግዲ ምዝገባን ዘይምለስ ፎቶኮፒን ዘቅርብ።

2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብን።

3. ቫት ናይ ዝተመዝገብኩምሉ ሰርተፊኬትን ናይዚ ወርሒ ዲክለር ዝገበርክሙሉ መረዳእታ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ

4. ተጫራታይ ናይ መቅረባይነት ሰርቲ ፍኬት ከቅርብ ዝኽልብ።

5 መኽበሪ ጨረታ ብር 20 (ዒስራ ሽሕ ብር) ሲፒኦ ሕጋውነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምስቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከአቲ ዝኸእል።

6. ጨረታ ዝጋወሐሉ ዕለት 01/11/2018 ዓ/ም ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 15/11/2018 ዓ/ም ሰዓት 400 ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4፡30 ንጉሆ ባዕሎም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ኣብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ይኸፈት።

7. ተጫራታይ ሰነድ ጨረታ ንዝርዝር ኣፈፃፅማ እቲ ገምጋምን ካብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 10 ፋ/ምም/ዳርን ብር 50 እናኸፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ከምእትኸእሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት_01/11/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 15/11/2018 ዓ/ም ሽም ኣድራሻ፣ ፊርማ፣ ማህተም ብምግባር ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኣታዊ ይገብር።

8. ተጫራቲ ሳዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

9. ተጫራቲ ውዕሊ ምስ ኣሰረ ዝሳዓሮም ንብረታት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ወረዳ ኣሕፈሮም ኣታዊ ይገብር።

10. ኣብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ነጋደይ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝከውን ንጨረታ መክበሪ ዘትሕዞ ገንዘብ ናብ ማሕበር መናእሰይ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።

11. ኣሸናፊ (ሳዓራይ) ዝኮነ ተወዳዳራይ 3% ዊዝ ሆልዲንግ ይኸፍል።

12. መ/ቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። 13.ኣድራሻና ኣብ 03 ቀበሌ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር መናእሰይ ትግራይ

ንዝበለፀ ሓበሬታ

ብቑ.ስ. 0914-131548/ 0914-022473 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል።

ታቁዝርዝር ኣቑሑትዝርዝር መግለፂዝበፅሐሉ ቦታመዐቀኒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠቅላላ ዋጋ
ብርሳንብርሳን
1Dual Purpose Chicknes (Sasso or Koekoek)ናይ 50 ማዕልቲኣሕፎሮም :2340
2Feeder (መመግቢ)1ይ ደረጃኣሕፎሮም156
3Dinker(ማይ መስተዪ)1ይ ደረጃኣሕፎሮም117
4Starter Feed (ቀለብ ደርሁ)1ይ ደረጃኣሕፎሮምኪሎግራም2600
5Disinfactant (ዲስ ኢንፌክታንት)ኣሕፎሮም13