ቁፅሪ 236/01/2018ዓ/ም
ዕለት 30/10/2018ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ ጨረታ
ሕጊ ተሃነፅቲ ንቤትህንፀት መቐለ ከኣትዉ ከለዉ መቐለ ቤት ህንፀት ኣብ 2019 ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ ዝተልዓልዎ ጉርዲ ፎቶ ምሕፃብ ፣ ናይ ዝተፋላላያ ፕሪንተራትን ፎቶ ኮፒ ቀለም ምምላእ ናይ ዝተፋላለየ ኤለክትሮኒክስ ናይ ኢድ ሞያ ጥራሕ ንምፅጋን ካብ ፍቓድ ዘለዎም ነጋዶ ኣወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ዉዕሊ ኣሲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ
ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ
1/ ተጫረቲ በዚ ስራሕ ዘርፊ አዚ ናይ 2018ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቓድ ኮፒ ከቕርብ ዝኸእል
2/ ቲን መፍለዪ ቁፅሪ ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል ከምኡ ድማ እቲ ዝተመልአ ዋጋ ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ ን7 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ኮይኑ ሰዓራይ ዝኾነ ትካል እቲ ዝፅገን፣ዝሕፀብ ፎቶ ፣ዝምላእ ቀለም ንብረት ክሰረሕ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ናብ ቤትህንፀት መቐለ ብኣካል ብምምፃእ _ ብፅሬትን ሰለጤንን ሰሪሑ ከረኽብ ዝኽእል
3/ ሰዓሪ ትካል ናይ ዝሃቦ ግልጋሎት ዝኸፈሎ ብር ልዕሊ 10000 ብር ተኾይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 3% ይኸፍል
4/ ተወዳደርቲ ናይ ሓደ ግዜ መፀገኒ ዋጋ ስልዝ ድልዝ ዘይብሉ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብ ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ተመሊኡ ከቐርብ ኣለዎ
5/ እዚ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 01/11/2018ዓ/ም ክሳብ 07/11/2018ዓ/ም ሰዓት3.30 ፀኒሑ ሰዓት 4.00 ይኽፈት ሰዓሪ ዝኾነ ትካል ሰዓሪ ኮይኑ ምስ ተነገሮ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ማዓልቲ ንፅገና 3000 ብር ንቀለም ምምላእ 2000 ንፎቶ ምሕፃብ 2000 ብጥረ ገንዘብ ዉዕሊ መኽበሪ ከትሕዝ ኣለዎ
6/ መስራቤትና ዘሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
7/ ንተወሳኺ ሓቤሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0942659419 ወይ 0914120805 ምሕታት ይከኣል
መቐለ ቤት ህንፀት