ፕሮፎርማ ቑፅሪ 17 /2018
መኪና ጎማን ባትሪን ኮንፊርትን ሙቀት መከላከሊ(ወንፊት) ኣቁሑት ነጋዶ ቅጥዒ ዝመለአ ነጋዳይ
ንቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ መኪና ጎማን ባትሪን ኮንፈርትን ሙቀት መከላከሊ(ወንፊት) ኣቁሑት ግልጋሎት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፉ/ፋ ትኽእሉ/ላ ምኻንኩም ንገልፅ፡፡
➢ በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ፣
➢ ናይ ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪ/TIN/ ዘለዎ ምኻኑ መረዳእታ ዘቕርብ ፣
➢ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል።
➢ ምልክታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተለጠፈሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ናብ ቢሮ ፍትሒ ብምቅራብ ( ንግዲ ፍቓድኹም፣ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁዕርኹምን ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐትኩምን ናይ መንነት መታውቕያ ኮፒ ብሙሉእ ክትገብሩዎ ነመልክት ምስ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኳንኩም እናገለፅና መወዳደሪኹም ሽምን ፊርማን፣ ሓዚ ትርከበሉ ኣድራሻን ናይ ትኻልኹም ማህተምን ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 19/10/2018 ዓ/ም ክሳብ 23 /10/2018 ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ክተቕርቡ/ክትወዳደሩ ትኽእሉ።
➢ እቲ ፕሮፈርማ ዕለት 23/10/2018 ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክ/ትግራይ ዳ/ዕ/ፋ/ንብረት ምምሕዳር ቢሮቑፅሪ 317 ይኽፈት፡
➢ ቢሮና ኣብ ዘዳለዎ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ክምላእ ይግባእ።
➢ እዚ ሰነድ ጨረታ ፕሮፈርማ እዙይ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ቢሮ ፍትሒ ክ/ትግራይ ከም ሕጋዊ ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግል ክትፈልጡ ይግባእ።
➢ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፎርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
➢ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ቅርቡ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል
➢ ኣብ ናይ መንግስቲ ዕደጋ ከይወዳደር ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ዝተኣገደ እግዱ ከይተልዓለሉ ክወዳደር ኣይኽእልን።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344408714/09 14 76 88 50 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል
ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ናይ መኪና ኣቁሑት ግልጋሎት ዝርዝር ተደላይ ነጋዶ ዝመልእዎ መወዳደረ ነፀላ ዋጋን ዘርኢ ሰደቓ
| ተ.ቑ | ዝርዝር ዓይነት ንብረት ናይ መኪና ኣቁሑት | እስፐስፊኬሽን | መለክዒ | ናይ ሓደ ገፅ | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠቕላላ ዋጋ | ||
|---|---|---|---|---|---|---|---|---|
| ብር | ሳ | ብር | ሳ | |||||
| 1 | ብርጅስቶን ጎማ | 265/R-17(ኮድ 697) | ብቑፅሪ | 05 | ||||
| 2 | ባትሪ ጎልደን | 70 AM | ብቑፅሪ | 01 | ||||
| 3 | ኮንፊርት | 1ይ ደረጃ | ብሴት | 01 | ||||
| 4 | ሙቐት መከላከሊ(ወንፊት)ናይ VIP | 1ይ ደረጃ | ብሴት | 01 | ||||
ሽም
ፌርማ-
ዕለት -
ስልኪ ቑፅሪ
ሰላምታ!