ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

ን2 ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ UNFPA Project ማይጨዉ፣ ዓዲግራትን መቕለን ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ህፃናት ምግቢ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲራ ክትዕድግ ስለ ዝደለየት ሕጋዊ ነጋዶ

ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ትዕድም

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒታት

1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለ | ይ ቁፅሪ ( TIN NO) ከቅርብ ዝክእል

3. ዝተሓደሰ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል

4. ተጫረቲ ምስ ቫቱ ዝተመልአን ናይ ጠቕላላ ዝተጫረቶ/ዝመልእዎ ድምር አቐሚጡ ናይቲ ድምር ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

5. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ነፀላ ዋጋ ምስ በዝሒ ዝተራበሐ ጠቕላላ ድምር ከቐንጡ አለዎም

6. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል

7. ተጫራታይ ስዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሪፖርት ክገብር

8. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን

9. ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ

10. ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 17/09/2018 ዓ.ም ክሳብ

24/10/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 24/10/2018 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቀበሌ 15 ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን

11. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኸ ወይ ምቕናስ ይኽእል

12. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒለ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን

13. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡