ዘ ዳውተርስ ቻሪቲይ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብዝተረኸበ ሓገዝ

1. ዘይተፀፀየ ብርስን ናይ ወፃኢ (imported unsolid lentil)

2. ናይ ኣሕምልቲ ዘርኢ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ

✓ ምግቢ ነክ መቕረብቲ ዝኾንኩም ከምኡ እዉን ንናይ ኣሕምልቲ ዘርኢ መቐረብቲ ድማ ናይ ሕርሻ እታወታት መቕረብቲ ዝኾንኩም ሕጋዉያን መቕረብቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 23 /06/2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 25 /06/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ስዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።

✓ ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 25/06/2026 ስዓት 9:00 ድሕሪ ቐትሪ ይኸዉን መብርሂ፤ ኣብ ጨረታ ክሳተፍ ዝኽእል ሓዱሽ ቅብሊት ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሐተመ ወይ ካሽ ረጅስተር መሽን ጥራሕ ዘለዎ ክኸዉን ኣለዎ