ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዓይደር

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ-ከተማ ዓይደር ንቤት ፅሕፈት እቶት ክፍለ-ከተማ ዓይደር ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ አቕሑት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲርና ክንገዝእ ስለዝደለና ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ንዕድም፡፡

ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እንተማልኡ ተጫረቲ ክትውዳደሩ ንዕድም

1. ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ቫት ሰርቲፊኬት፣ ቲን// ቁፅሪ ዘቅርብን መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎን ፡፡

2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ 10/10/2018 ዓ/ም ክሳብ 19/10/2018 ዓ/ም ዘይምለስ 100 ብር ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ምውሳድ ይክአል

3. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 19/10/2018 ዓ/ም ስዓት 8፡30 ናይ ድሕር ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት ተዘይሃልዮም ዉን ኣብ ወሽጢ ሳንዱቕ ዝተረኸበ ፖስታ ይክፈትን ይግምግምን

4. ናይ ጨረታ መክበሪ ብር 15000 /ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ካብ ባንክ ዝተረጋገፀ ቼክ/ብሲፒኦ /ጥር ገንዘብ ከትሕዝ ይኸእል።

5. ተጫራታይ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሓደ ኦርጅናል ሓደ ኮፒን ዝተዓሸገ ፖስታ የቅርብ፤፤

6. ሰዓራይ ምስዓሩ ምስፈለጠ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ውዕሊ ይአስር ።

7. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝትሓለወ እዩ።

8. ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖር ናብ ቤት ፅሕፈትና የቅርብ።

9. ኣድራሻና ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ታሐተዋይ በሪ ፡፡

10. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914096890 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡