ቤት ፅሕፈት ግልጋሎ ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓ/ዓዲ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ 2018 ዓ/ም ናይ መኪና ኣቕሓ ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ናይ 2018 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዝተሃደሰ ፣ቲን መፍለይ ቁዕሪ ዘለኩም ፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ መሰለይ ካርድን ዘለኩም፣ ናይ መቕረባይነት ወረቐት ዘለኩም ክትወዳደሩ ስለ እትኽእሉ ናብ ትካልና (ቤትፅሕፈትና) ብምምፃእ ዝርዝር ናይቲ ኣቑሑት ዝሓዘ ሰነድ ብር 100.00/ ሓደ ሽሕ/ ዘይምለስ ብምኽፋል ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ብኣካል ብምቕራብ ካብ ዕለት 08/10/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 19/10/2018ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ውሽ ሰነድ እናመፃእኹም ክትወስዱ(ክትዕድጉ) ከም እትኽእሉ እናገለፅና ተጨራታይ እዞም ቀፂሎም ዘለው ነጥቢታት ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ከማልእ ይግባእ ፡

1. ናይ 2018 ዓ/ም ዘመን ግብሪ ዝኸፈለሉ (ዘሃደሶ) ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ ምቅራብ

2. ዝተመዝገበሉ መለለይ ካርዲ // ፎቶ ኮፒ ምቅራብ

3. ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ/ቫት/ ምስክር ወረቐት ዘለዎን ዝከፍልን ፎቶ ኮፒ ምቅራብ

4. ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት ኮፒ ናይ 2018 ዝተሓደሰ ከቕርብ ኣለዎ

5. ናይቲ ጨረታ መክበሪ ናይ መኪና ኣቑሑ 50,000 ብር ( ሓምሳ ሽሕ ብር ) ብኣፍልጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ክትሕዝ ዝኽእል

6. ቫት ሓዊሱ ክመልእ አለዎ

7. ሚያዝያ/ጉንበት ዴክላረሽን ዝኸፈለሉ መረዳእታ ዕሕፍ ኣብ ዝወዳደረሉ ፖስታ ዓሽጉ ከቕርብ ኣለዎ፡፡

8. ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ : ሰነድ ጨረታ ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ብምውሳድ ብክልተ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፔን ነንበይነ ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተዊ ዝተዳለወ ሳዕን የእቱ፡፡

9. እቲ ዝተዳለወ ሳዕን ክሳብ ዕለት 19/10/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡20 ናይ ቅድሚ ስዓት ክፍቲ ኮይነ ይፀንሕ ።

10. እቲ ዝተዳለወ ሳዕን ዕለት19/10/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡21 ናይ ቅድሚ ሰዓት ይዕሽግ፡፡

11. ጨረታ ዝኽፈተሉ ቦታ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ምሕደራ ሃፍቲ ኮይኑ በቲ ዕለት ንሱ 19/10/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኹባሉ ይኹን ኣብ ዘይተረኸብሉ እውን እቲ ጨረታ ፖስታ ይኽፈት ፡፡

12. ተጨራታይ እቲ ጨረታ ውሽጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ ኣሽንፍካ - ተባሃሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ መዓልቲታት ውዕል ብምእሳር ንብረት የቕርብ፡፡

13. ብኣሸናፍነት ተመዝጊቡ ብእዋነ ንዘይኣቕረበ ኣቑሑት በቲ ናይ ጨረታ ደንቢመምርሒ ዕደጋ ቁዕሪ 3/2009 ዝእዝዞ መስረት ኣብ መዓልቲ 1 ብር እናተቐፀዐ እቲ ንብረት ይቕርብ ።

14. ዝኾነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ ኣብቲ ዝወሰዶ ዝተዳለወ ባዶ ጨረታ ሰነድ ብትክክል ኣቐሚጡ ክወዳደር ኣለዎ ካብኡ ወፃኢ ብካሊእ ሰነድ ዘቕርብ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይቕበሎን ውድቂ ይኸውን፡፡

15. ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃእን ኣብቲ ቅጥዒ መብርሂ ኣብ ዝብል ምምላእን ኣይፍቀድን

16. ኣብ ዘቕርቦ ናይ ጨረታ ሰነድ ሽሙ ፣ ፌርሙኡን ኣድራሽኡን ማህተም ናይቲ መቕረባይ (ድርጅት) ብትክክል ዘየቐመጠ ንምንባብ ኣፀጋሚ ዝኾነ ፊደል ወይ ኣሃዝ ዘቐመጠ ብቀጥታ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ፡፡

17. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

ንተውሳኺ ሓበሬታ 0914241851

ኣድራሻ ቤት ፅሕፈት ቀረብ መስተ ማይ ግልጋሎት ከተማ ዓብይ ዓዲ