ንካልኣይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ከተማ ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ ኣብ ህንፃ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዝርከብ ኣብ ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕቲ ዘገልግል ዝነበረ ዝተፈላለየ ሞልድ፣ፕሪካስትን ሚክሰርን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለየ ክብደት ዘለዎም ሓፂነ መፂን ብኪሎግራም መዚኑ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለ ዝደሊ በዚ ስራሕ ልምዲ ዘለኩም ትካላትን ውልቀ ሰባትን ንክትወዳደሩ ይዕድም።
1. ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻን ዝርዝር ሓበሬታን ከቕርቡ ይግባእ
2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ኣብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ ናይ 50000 ብር CPO ኣስሪሖም ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ።
3. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 06/10/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ዘይምለስ ብር 200 /ክልተ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣
4. ናይ ጨረታ መኸበሪ በቲ ኣብ ተራ ቑፅሪ 2) ተገለፀ መሰረትሪዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ?' ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።
5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ጨረታዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኸበሪ
ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።
6. ተጫረቲ ንሓደ ኪሎ ግራም ቫት ሓዊሶም ብክንደይ ዋጋ ከም ዝወስድዎ ኣብቲ ዝቐረበ ናይ ጨረታ ዋጋ መመልኢ ሰነድ ብዘይ ስርዝድልዝ ብንፁር ብዝንበብ ዕሑፍ ክምላእ ድሕሪ ምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ከእትውዎ ይግባእ፡፡
7. ናይ ጨረታ ደኩመንት ናብ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 06/10/2018 ዓ.ም እስካብ ዕለት 12/10/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ግዜ ይኸውን፡
8. እቲ ጨረታ ዕለት 12/10/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓዕዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ይኸፈት። ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ ክሳብ ዝተረጋገፀ እቲ ዝኣተወ ናይ ጨረታ ሰነድ ኩሉ ዝክፈት ይኸውን።
9. ስዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 5 ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቀሪቡ ውዕል ክኣስር ይግባእ።
10. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ስዓሪ ጨረታ ካብ ጠቕላላ ዝቐረበ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ውሕስና /Unconditional Bank Guarantee/ ከትሕዝ ዝኽእል፣
11. በቲ ኣብ ተራ ቁዕሪ 9 ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብትካል ቀሪቡ ውዕል ዘይኣሰረ ስዓሪ ጨረታ እቲ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሓዞ 50,000 ብር ናብ ካዝና ትካል ኣታዊ ተገይሩ ከም ኣድላይነቱ ጨረታ ክወፅእ ከም ዝግበር ተጫራቲ ክፈልጥ ይግባእ።
12. ስዓሪ ጨረታ ሙሉእ ክፍሊት ድሕሪ ምፍፃም ነቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ካብቲ ተካል ጠቕሊሉ ከልዕሎ ይገባእ፡፡
13. ተጫራቲ ነቲ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 15 መዕልቲ ጠቕሊሉ ክብረትካል እንተይ 5 መ ኣልዒሉዎ እቲ ዘትሓዞ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃዕማ ተወሪሱ እቲ ንብረት ናብ ተካል ኣታዊ ኮይኑ ከም ኣድላይነቱ ዳግም ናብ ጨረታ ክወፅእ ይግበር፡
14. ተጫረቲ ንቲ ንብረት ኣብ ስራሕ ስዓት ኣብቲ ቦታ ብኣካል ተረኺቦም ክሪኡ ይኽእሉ እዮም
15. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
16. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁዕሪ 313 ወይ ድማ ኣብ ውቕሮ ማይክሮ ፋይናንስ ብኣካል ብምቕራብ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ምርካብ ይካኣል እዩ።