ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ /2018

ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣብ 2018 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክን ኣቁሑትን ፊርቸርን ብብርኪ ክልል ትግራይ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ፦

1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቕርብ ዝኸእል፤

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ IIN ሰርትፊኬት ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቕርብ ዝኸእል፤

3. ንተወሳኺ እሴት ታክሲ /VAT/ ዝተመዝገበ ኮይኑ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ 2018 ዓ/ም ናይ VAT

ድክላሬሽን ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ዝተሓደሰ ዋንኡን ሓደ ኮፒን ካቕርብ ዝኸእል፤7.5% VATን 3% withholding taxን በቲ መምርሒ መሰረት ኣብ ዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ዝኸፍል፣

4. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቕርብ ዝኸእል፤

5. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ስራሕ መዓልቲን ቀዳምን ሰንበትን ካልኦት በዓላቲን ሓውሱ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቕርብ ዝኸእል፤

6. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፤ናይቲ ትካል ሽምን ሓዚ ዘለዎ ኣድርሻን፤ መታውቕያን ማህተም፣ ፊርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፤

7. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ኣብ 1ዶ ምድብ ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ዘይምለስ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢት ብር ጥራሕ/ እናኸፈለ ካብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዳይሮክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይኸእል፣

8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ሰነድ ጨረታ ኤሌክትሮኒክን ኣቁሑትን ፊርንቸርን ንሕድሕድኦም ብር 5,000(ሓሙሽተ ሽሕ ጥራሕ) ብሽም ቢሮና ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ / Bureau oF Justice/ ብ CPO ወይ ብጊዜ ዘይተገደበ ሰርቲፋይድ ቼክ ኣብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይ ድማ ብጥረ- ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ገንዘብ ተሓዚ ወይ ድማ ጨረታ ቕድሚ ምኸፋቱ ከቕርብ ዝኽእል፣ካብዚ ወፃኢ እቲ ዝቐረበ ጨረታ መኸበሪ ገንዘብ ካብቲ ዝተሓተተ ናይ ገንዘብ መጠን ዝተሓተ እንተኾይኑ ብዘይ ምንም ቕድመ ኩነታት ካብቲ ጨረታ ይስረዝ::

9. እቲ ጨረታ ዕለት-04/10/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 18/10/2018 ዓ/ም ኩሉ ጊዜ በቲ ዕለት ንሱ ልክዕ ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ስዓት 9፡00 ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ፤ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኸፈት።

10. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11. እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቕንስ /ክውስኸይኸእል እዩ።

12. ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትኸክለኛ ምዃኑ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን።

ሓበሬታ ፦ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 03 44 41 8714/091476 88 50/09 14 01 55 36ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡