ማሕበር ልምዓት ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናውቲ ቢሮ (Furniture) ዝምልከቶም ትካላት ብፕሮፎርማ ብምውድዳር ክዕድግ ይደሊ። ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡን ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2018 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ግንቦት 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ተኸታታሊ ቑፅሪ ዘለዎ ሕጋዊ ቅብሊት(ደረሰኝ)ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. እዚ ግልፂ ጨረታ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ከቕርብ ዝኽእል። ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተጠቐሰ ጊዜ ገደብ እንተዘይኣቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ይጥቀም፡፡

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡

3. ኣብቲ ሰነድ ፕሮፎርማ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

9. ማ.ል.ት እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

10. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 10/10/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ቢሮ ቑፅሪ 410 ይኽፈት፡፡