ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ናይ ደርሁ መራብሒ ዘግልግሉ ንብረታት ብግልፂ ክትዕድግ ስለዝደለየት ሕጋዎት ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ትዕድም፡፡

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበኣ ረቋሒታት

1. ብቲ ዘርፍ ፍቓድ ዘለዎን ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእልን

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ( TIN NO) ከቅርብ ዝክእል

3. ዝተሓደሰ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል

4. ዝርዝር specification (ሰነድ) ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል።

5. ተጫራታይ ስዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ አብ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት አታዊ ክገብር ይግባእ

6. ሰዓራይ ተጫራቲ ነቲ ዝሰዓሮ ነብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ማ.ደ.ኣ.ት መቐለ ስቶር ኣታዊ ይገብር

7. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን

8. ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ

9. ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐለ ግዜ ካብ ዕለት 03/10/2018 ዓ.ም ክሳብ 12/10/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት12/10/2018 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓዕዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብሉ አብ ቀበሌ 15 አብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን

10. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኽ ወይ ምቕናስ ይኸእል

11. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ አብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን

12. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ምኳኑ ክንገልጽ ንፈቱ::

13. ተጫራታይ ኣብ ዘሎ ናይ ዋጋ መምልኢ ዘሎ ክፍቲ ቦታ ብነፀላ ይኹን ብድምር ተዘይመሊ ኡ ቀጥታ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን።