ምልክታ ጨረታ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ደንቢ ኽዳን ሰራሕተኛታት ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብግልፂ ጨረታ ከስርሕ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡን ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2018 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣
2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብሌ መረዳእታ ናይ ወርሒ ግንቦት 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
4. ተኸታታሊ ቑፅሪ ዘለዎ ሕጋዊ ቅብሊት(ደረሰኝ)ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
6. መኸበሪ ጨረታ ብስፒኦ(CPO)ጥራሕ ብር 20,000.00 ከቕርቡ ዝኸእሉ፣
7. እዚ ግልፂ ጨረታ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምትሓዝን ዘየማትእ ውዕል ብምእሳርን ኣብቲ ውዕሊ ብንፁር ኣብ ዝቕመጥ ጊዜ ገደብ ሰሪሑ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ከቕርብ ዝኽእል፡፡ ብመሰረት ዝተኣሰረ - ውዕሊ : ሰሪሑ እንተዘይኣቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ይጥቀም፡፡
8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡
9. ኣብ ሰነድ ጨረታ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
10. ማ.ል.ት እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
11. እዚ ጨረታ ዕለት 17/10/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ቢሮ ቑፅሪ 410 ይኸፈት፡፡