ምልክታ ጨረታ
ዘገልገሉ ዝተፈላለዩ ማሽነሪታት ንምሻጥ ዝወፀ ጨረታ
ትካልና ፍረ-ስዉኣት ኢንዳስተሪያል ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር ዘገልገሉ ዝተፈላለዩ ናይ ጋርመንተ ናይ ሕትመትን ናይ ጎልፎን ማሽነሪታት ኣጫሪቱ ክሸይጥ ይደሊ ።በዚ መሰረት ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንኽትወዳደሩ ንዕድም ።
1. ተጫራታይ ናይ 2018 ዓ.ም ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰ ክኸዉን ኣለዎ፣
2. ተጫራታይ መኽበሪ ጨረታ ብር 50,000.00 (ሓምሳ-ሽሕ) ብር ብሽም ፍረ-ስዉኣት ኢንዳስትሪ ኢዳስትሪያል ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር cpo ዘትሕዝ ክኸዉን ኣለዎ፣
3. ተጫራቲ ናይ ሕድሕድ ንመሸጣ ዝቐረቡ ንብረታት ናይ ሓደ ዋጋ ንጠቕላላ ዋጋን ብግልፂ ኣብ ዝተዋህበ ሰደቓ ክመልኡ ይግባእ ፣
4. ተጫረቲ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ(TIN) ሰረቲፊኬት ከቕርቡ ይግባእ ።
5. ተጫረቲ ዘቕርብዎ ዋጋ ቫት ዘሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ይግባእ። እንተዘይኮይኑ እቲ ዝቐረበ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ክም ዝቐረበ ተገይሩ ይዉሰድ።
6. ተጫረቲ ካብ ሰነ 01/10/2018 ዓ.ም ክሳብ ሰነ 10/10/2018 ዓ.ም ዘይምለስ ብር 200.00 እናኸፈልኩም እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ትካልና ፋይናንስ ክፍሊ ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂኢኹም ክትዕድጉ ይግባእ።
7. ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ዋጋ ብፖሰታ ዓሺጎም ማሕተም ብምዕራፍ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ክሳብ ሰነ 10/10/2018 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ
8. ጨረታ ሰነ 10/10/2018 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለት ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት
9. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ኣብቲ ጨረታ ንዝተዘርዘሩ ንብረታት ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ማዓልቲ እቲ ጠቕላላ ዝሰዓረሉ ዋጋ ምስ ከፈለ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ካብ መኽዝና ከልዕሎ ይግባእ ።እንተዘይ ኣልዒሉ ቅድም ኢሉ ዘትሓዞ ናይ CPO ገንዘብ ብር 50,000.00 ናብ ትካልና ኣታዊ ተገይሩ ናብቲ ቀፂሉ ዝሰዓረ ተጫራታይ ወይ እቲ ጨረታ ተሰሪዙ ካሊእ ኣመራፂ ክንጥቀም ንኸእል ኢና
10. ተጫራታይ ናብ ትካልና ብምምፃእ ናይቲ ንብረት ትሕዝቶ ብኣካል ብምርኣይ ናይ ሕድሕድ ንብረት ዋጋ መሊኡ ናይ ምጭራት መሰል ኣለዎ
11. ትካልና እቲ ንጨረታ ዝወፀ ንብረት ናይ ምዕጋን ወይ ናይ ምምሕያሽ ኮነ ትሕዝትኡ ናይ ምልዋጥ ግዴታ
12.ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል
ኣለዎ።
ኣድራሻና ፣ከተማ መቐለ ዓይደር ክባቢያዊ ምምሕዳር ጥቓ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ዘሎ መዐደሊ ነዳዲ ንዉሽጢ እትዉ ኢልካ ይርከብ ስልኪ-0914727888
ብጨረታ ክሽወጡ ዝወፁ ዘገልገሉ ማሽነሪ ዝርዝር
| S/no | Item Description | UNiT | Qty | U/price | Total Price | Conditions | Remark |
|---|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ናይ ስፌት ማሽን 188u | Pcs | 10 | ዘገልገለ | ናይ ጋርመንት መሳርሒ | ||
| 2 | ዘምዛሚት ማሽን 526 | Pcs | 1 | ||||
| 3 | ናይ ስፌት ማሽን 3 ዓይነት | Pcs | 1 | ||||
| 4 | መልጎም መጥበቂት | Pcs | 1 | ||||
| 5 | መልጎም መጥበቂት | Pcs | 1 | ||||
| 6 | ከምዛሚት ማሽን | Pcs | 1 | ||||
| 7 | ናይ ጠረጼዛ ዘምዛሚት ማሽን | Pcs | 1 | ||||
| 8 | ቐዳዲት ማሽን | Pcs | 2 | ||||
| 9 | ጃኪ ናይ ስፌት ማሽን | Pcs | 1 | ||||
| 10 | ዲናሞ | Pcs | 8 | ||||
| 11 | ማንዋል ናይ ሕትመት 4ክንፍ ማሽን | Pcs | 1 | ዝገሰገሰ | ናይ ሕትመት መሳርሒ | ||
| 12 | ተገዳሚ ፍሪጅ | Pcs | 1 | ||||
| 13 | ላይት ቦክስ ናይ ዲዛይን | Pcs | |||||
| 14 | ዝተሓተመ ክዳን መጥበቂ | Prs | 1 | ||||
| 15 | ስከሬን መቃፀሊ ማሽን | Pcs | 1 | ||||
| 16 | ፖስታ መስርሒ ማሽን | Pcs | 1 | ||||
| 17 | ላሜራ ኮንተይነር | Pcs | 2 | ||||
| 18 | ናይ ጎልፎ ማሽን ዓብዪ ቁ.8 | Pcs | 2 | ዘገሰገሰ | ናይ ጎልፎ መሳርሒ | ||
| 19 | ናይ ጎልፎ ማሽን ዓብዪ ቁ10 | Pcs | 4 | ||||
| 20 | ፓሳፕ ናይ ጎልፎ ማሽን 80 | Pcs | 3 | ||||
| 21 | ፓሳፕ ናይ ጎልፎ ማሽን 80 | Pcs | 4 | ||||
| 22 | ጠቅላሊት ማሽን | Pcs | 4 | ||||
| 23 | 55 ናይ ስፌት ማሽን | Pcs | 2 | ||||
| 24 | ናይ ጠረጴዛ ናይ ጃፓን ሶልጀር | Pcs | 3 | ||||
| 25 | ማንዋል መጠቅለሊ ክሪ ወይ ጎልፎ | Pcs | 1 | ||||
| 26 | መዘምዘሚት ጎልፎ | Pcs | 2 |