መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ

ምልክታ ጨረታ

ትካልና መስፍን ሓፂን መፂንን ኢንጂነሪንግ ሓላ ዝው ማሕበር ኣብ መቐለ ላጪ ሳይት Painting Shop ብቅሉዕ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ብኮንስትራክሽን ስራሕቲ ካብ ደረጃ GC-5 ወይም ደረጃ BC-5 ልዕሊኡን ብቕዓት ዘለኩም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዐቀኒታት ተማልኡ ተወዳዳርቲ ምስዚ ምልክታ ብዝተተሓሓዘ ክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም ::

ናይ ረታ ረቛሒ ን ኩነታትን

1. ናይዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቕርብ ዝኸእል::

2. ተረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቃድ፣ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ተወሳኺ እሴት ታክስ ናይ ኮንስትራክሽን ፍቃድ (License) ናይ መወዳእታ ወርሒ ቫት ዝክፈልሉ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ብር 400.00 (ብር አርባዕተ ሚኢቲ) ብምክፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 06/06/2026-22/06/2026 ብኣቆፃፅራ ኣዉሮፓ ኩሉ ጊዜ ብስራሕ ሰዓት መቐለ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ዕደጋ መምርሒ ክወስዱ ይኽእሉ።

3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብምምላእ አብ ሕድሕድ እቲ ጨረታ ሰነድ ማሕተምን ፊርማን ክዓርፎ ብምግባር ሓደ ኦርጅናልን ክልተ ኮፒ ዋጋ ዝሓዘ ፋይናንሻል ሰነድ ከምኡ ድማ ሓደ ኦርጅናልን ክልተ ኮፒ ቴክኒካል ዶክመንት ብምድላው እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 06/06/2026- 22/06/2026 ብኣቆፃፅራ ኣዉሮፓ ክሳብ ስዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ አብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ነዚ ተብሂሉ ዝተዳለወ ሳፁን ክእትው አለዎም፡፡

4. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ሲፒኦ (CPO) ብር 160,000.00 (ብር ሚኢቲ ስሳን ሽሕ) ንበይኑ ብስምዒ ዝተኣሸገ ፖስታ ምስ ጨረታ ከእትው ይግባእ፡፡ ጥረ ገንዘብን ብፖስታ ዘይተዓሸገ CPO ከምኡ'ውን ካሊእ ዓይነት ጨረታ መኸበሪ ተቐባልነት የብሉን።

5. እዚ ጨረታ ስዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኽፈት፡፡

6. ተጫረቲ ናይዚ ስራሕ ናይ መዛዘምን መረከብን ግዜ አብ ውሽጢ 80 ተከታተልቲ መዓልቲ ዘርከብ ምዃኑን እቲ መዓልቲ ስራሕ ንምጅማር ዝኣትውሉን ስራሕ ወዲኦም ዝወፅሉ ግዜ ዘካትት እዩ፡፡

7. ተጫረቲ አብ ዘእተውዎ ዋጋ ንዝፍጠር ናይ ድምር ስሕተት (Arithmetic error) ትካል ሓላፍነት አይወስድን፡፡ ኮይኑ ግን ናይ ድምር ስሕተት አብ ዘጋጥም ነፀላ ዋጋ ክውስድ ይግበር።

8. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው አይካኣልን። ከምኡ'ውን ተጫሪቶም ዝሳዓርዎ ስራሕ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ብሳብ ኮንትራክት ብሳልሳይ ወገን ምስራሕ ኣይካኣልን፡፡

9. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይ ተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከም ዝሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ፡፡

10. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዓሮም ካብ ዝተነገሮም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ንጠቕላላ ዋጋ 10% ባንክ ዉሕስና (Unconditional bank Guarantee) ከትሕዙ ኣለዎም፡፡ እንተዘይኮኑ ግን ንረታ መኽበሪ ዘትሐዞዎ (CPO) ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወሰድ ፡፡

11. ሰዓሪ ተጫራቲ ጨረታ ሲዒሮም ዉዕሊ ምስ ኣሰሩ በቲ ዉዕሊ ዝኣሰርዎ ናይ መረከቢ ግዘ እቲ ስራሕ ክርከቡ እንተዘይኪኢሎም እቲ ዘትሓዝዎ 10% ዉዕሊ መኽበሪ ጋራንቲ ናብ ትካል ኣታዊ ኮይኑ

ትካል ካልእ መማረፂ ይወስድ።

12. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

አድራሻ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ስልኪ ቁዕርታት ምጥያቅ ይካአል

ስልክ. 0914734116

ፋክስ. 0344406225