1 ዝኮነ ይኩን ዉልቀ ሰብ ወይድማ ዉልቀ ትካል ኣብቲ ጨረታ ክሳተፍ ዝክእል ኮይኑ
2 ብኣካል መፀእኩም ብምርኣይ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ብግልፂን ንፁር ዋጋን ብምምላእ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ካብ 26/9/2018 ዓም ምዉሳድ ይክእሉ
3 በቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ኮረም ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ክሳብ 10/10/2018 ዓም ሰዓት 330 ከእትዉ ትክእሉ
4 ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኮረም እናመፃእኩም ዘይምለስ 300 ቅርሺ እናከፈለኩም ክትወስዱ ትክእሉ
5 ሰዓራይ ምስተፈለጠ ዘይመልስ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ስፒኦ 50000 ከትሕዙ አለኩም
6 እቲ ጨረታ ዝከያደሉ 10/10/2018 ዓም ሰዓት 4፡00 ሕጋዊ ተጫረቲ ወይድማ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ይከፈት
7 ሰዓራይ ምስተፈለጠ ነቲ ዝሰዓሮ ኣቅሓ ጠቅለላ ዋጋ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ምሰገበረ እቲ ኣቅሓ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ
ከልዕል አለዎ
8 እቲ ጨረታ ከዛብዕ ዝፈተነ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይገበር
9 ነቲ ዝምላእ ዋጋ ዝኮነ ይኩን ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን
10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0928086584